2012-10-09 15:36:59

ክርስትያን ኢየሱስ ንምብሳር ክሓፍር የብሉን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ስዒቦም ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዘረባ ዘስምዑ ናይቲ ሲኖዶስ ወኪል ኣቦ መንበር ናይ ሆንግ ኮንግ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጆን ቶንግ ሆንን ድማ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ዲኖዶስ ዋና ጸሓፊ RealAudioMP3 ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤተሮቪች ቀጺሎም እቲ ሲንዶስ ናብ ምይይጥ ዘሳግር ኣርእስቲ ኣማእኪሎም ዘረባ ዘስምዑ ናይ ዋሽንግተን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ዶናልድ ወይርል ከምዝኾኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።
ናይ ሆንግ ኮንግ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጆን ቶንግ ሆን ንብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፣ ቅድሚ 1997 ዓ.ም. ምጽምባር ምስ ቻይና ሰበኻኦምን ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ብስርዓት ዴስነት ምኽንያት ዘጋነፈ ናይ ራዕድን ፍርሕን ተመኵሮ ጠቒሶም ብሓፈሻኡ ሰበኻኦምን ማኅበረ ክርስትያን ዕለታዊ ተመክሮኦም ተንቲኖምን ዝሓለፈ በዓለ ፋሲካ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉ ሰለስተ ሺሕ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣባላት ማኅበረ ክርስትያን ከምዝኾኑን፦ “ኣስፍሆተ ወንጌል፣ ሱታፌ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ዘርኢ ሰብን ብፍላይ ድማ ምስቶም ኣዚዩ ብድኽነት ንዝተጠቕዑ ምግልጋል ማለት ገዛእ እስኻ ብምውፋይ ዝንበር ኣገልግሎትን፣ ናይቲ ምስ ክርስቶስ ግላዊ ምርኻብና መሰኻኽር ክንከውን ዝመረሓና ናይ ካቶሊክ ስርወ እምነት ምስዓብን ምንባርን ማለት እዩ፣ ናይ እምነትና ቀናኣት መሰኻኽር ንዅን” ከምዝበሉ ፒሮ ገሊጸን፣ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኤተሮቪች ናይቲ መበል 13 ሓፈሻዊ ሲኖዶስ መቀራረቢ ዕዮ ዓበይቲ ነጥብታቱ ኣደጊፎም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ርእሰ ጉዳይ ክዝትይ ወሲኖም ዝጸውዕዎ ከምዝኾነን፣ ኣብ ምስንዳው ናይ ዕዮ ሰነድ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሕብረት ዘለዎም ብጠቅላላ ኣብ ዓለም ካብ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን 90% ዘሳተፈ ምዃኑ ከምዝሓበሩን፣ ስዒቦም ብላቲን ቋንቋ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ዋሽንግቶን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ወይርል፦ “ዜና ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዘይኮነ፣ እቲ ስጋ ለቢሱ ዝወረደ ንገዛ ርእሱ እግዚኣብሔር እዩ ዝእወጅ” ኢሎም ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ካብ እዋናዊ ሕብረተሰብ ዘጓንፎ ብድሆ እንከመልክቱ፦ ክርስቶስ ካብ ቤተ ክርስትያን ዝንጽል ንኽርስቶስ ብስነ መጽናዕትን ስነ ሓሳብን ምርኣይ ዝብልን ንኻልእ ነቲ ካባኻ ዝተፈለየ ከማኻ ዝኾነ ሰብ ዘይምግዳስን ሃይማኖት ናይ ግሊ ጉዳይ ዝብል ውልቃውነትን ቀይዲ በተኽ ርትዓውነትን” ዝብሉ ምዃኖም ጠቒሶም፣ ካብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ዓመታት ዝተበገሱ ኣመለኻኽታ “ከምቲ ዝጥለቦ ዘይቀርብ ትምህርተ ክርስቶስን ካብ ዕለታዊ ሕይወት ዝተነጸለ ሊጡርጊያን“ ዘነቓቐሖ ብድሆ ምዃኑ እውን ኣረዲኦም፣ ነዚ ብድሆ’ዚ ድማ ካብ ባህሊ እምነትን ስነ ምግባርን ምንጻል ዝድርኽ ህቦብላ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፣ ናይ ውሑዳት ጸያፍ ተግባር ናይ ቤተ ክርስትያን ተኣማንነት ዘድከም ግድፍታትን ዘርዚሮም፣ እቲ ሃይማኖትን ስነ ምግባርን ዝንጽልን ግኡዝነትን ውልቃውነትን ዝብል ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ተባዓት መንሰያትን ስድራ ኣባይትን ማለት ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብነት ዝኾኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከምዘለዉ ሓቢሮም፣ ከምቶም ናይ ቀደም ልኡካነ ወንጌል ርሕቀት መልክዓ ምድር ዝበድሁ ናይ ሎሚ ልኡካነ ወንጌል ነቲ ስነ ሓሳብን ዓለማወነትን ዝፈጥሮ ዘሎ ርሕቀት ዘሰንፉ ክኾኑ ኣለዎም ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ፒሮ ገሊጸን።
“ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል መርሃ ግብሪ ዘይኮነስ ወንጌል ነኸነበስር ዘብቕዓና ዕድላት እነማዕድወሉ ሓድሽ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ተግባርን ማለት እዩ” ምስ በሉ፣ “ብዙሕ ግዜ ዓለማውያን ክቡራት ዋጋታት ካብቶም ብኢየሱስ ዝቐረቡ ክቡራት ዋጋታት ጸብለል ቢሎም ክረኣዩን ኩሉ ክስዕቦምን ጸቕጢ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ኣብዚ ልዕሊ እዚ ዓይነት ከይዲ ኣብ ናይ ክርስትና መልእኽቲ ሓቂ ሓድሽ ዓይነት እማኔ ክህሉ” ዓዲሞምን፣ “ማሕበረ ክርስትያን እቲ ዘይተሓላለኸ ንጹሕን ጭቡጥን ዕርክነት ምስ ክርስቶስ ከበስሩ ዘጓንፎም ምልክታ ፍርሒ ከሰንፉ” ዓዲሞም “ምብሳር እምነት ብቃልን ሕይወትን ዝምራሕ ክከውን ግድን እዩ፣ ምኽንያቱ ኣስፍሆተ ወንጌል ተመክሮ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝግበረሉ እምበር ሓደ ዓይነት ኣደብ ዘትሕዝ ናይ ፍልስፍና ክልሲ ሓሳብ ማለት ኣይኮነን” ኢሎም።
ብሓፈሻኡ ኣስፍሆተ ወንጌል ሰለስተ መሠረት ዘለዎ ምዃኑ እንከመልክቱ “ብቐዳማይ ደረጃ ስነ ሰብእ እዚ ድማ ኩሉ ፍጥረት ሰብ በርአያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ምዃኑን ብባህሪኡ ናብቲ ደረት ሰገር ፍጹም ምዃን ዘቕንዔ ከምዝኾነን፣ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ስነ ክርስቶሳዊ ማለት ክርስቶስ ውጽኢት ናይ ሓደ ሰነ ማሕበራዊ ወይ ድማ ቲዮሎጊያዊ ስሕታ ከምዘይኮነን ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ስነ ቤተ ክርስትያናዊ ዝብል ናይ ክርስቶስ ናይ ምድሓን ተግባር ኣብ ቤተ ክርስትያንን ብቤተ ክርስትያንን ዝሓልፍ እዩ” ምስ በሉ፣ “ማሕበረ ቤተ ክርስትያንን ምንቅስቓሳትን ምልክታ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል እያቶም፣ ከም ኣብነት ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ጠቒሶም፣ ማኅብራትን ምንቅስቃሳት ካቶሊካውያን ምሉእ ሓይሎምን ተግባሮምን ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕይወት ዘዋስኡ እያቶም፣ ኢየሱስ ሓደ ናይ ፖለቲካ መርሃ ግብሪ ዘይኮነስ ንነጻነትን ሰብኣዊ ክብርን ንባህርያዊ ስነ ምግባራዊ ስርዓትን ኣብ ፖሊቲካ እውን ክስትንተኑ ዝግብኦም መትከል እዩ ኣቝይሙ፣ ኣስፍሆተ ወንጌል ቅድም ቀዳድም ትብዓት ማለት ሰላማዊ ትብዓትን ሱታፌ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ምስ ጓሶት ነፍሳት ምትሕብባርን ብሓጎስ መልእኽቲ ኣምላኽ ምብሳርን ዝሓትት እዩ፣ ስለዚህ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሕጽጹነት ዝሓትት እዩ፣ ዝባኽን ጊዜ የብልናን” እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ገሊጸን።







All the contents on this site are copyrighted ©.