2012-10-09 15:33:23

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓዊ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጥኻ እዩ እሞ፣ ብትብዓት ኣብ ዓለም ምውላዕ የድሊ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 7 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ “ኣስፍሆተ ወንጌል ንምትሕልላፍ እምነት ክርስትና” ብዝብል ኣርእስቲ ዝዝትይ ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይ መላእ ካቶሊካዊት ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብወግዒ ከምዘበገሱ ክፍልፈጥ እንከሎ፣ RealAudioMP3 ትማሊ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ብዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከይዲ ናይቲ ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ ከምዘጀመሩ፣ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ዝከታተሉ ዘለዎ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ቅዱስነቶም ኣብ ቤተ ልሄም ታሪኽ ዝልውጥ ዓለም ኣብ መንጐ ስደትን ዘይምግዳስን ብሰፊሕ ኣብ ዝተኸበሉ እዋን ዝተወልደ ሕጻን ሎሚ እውን እቲ ዝተመሓላለፈ ወንጌል ድሕሪ ክልተ ሺሕ ዓመት የቃልሕ ኣሎ። እግዚኣብሔር መን እዩ? ምስ ሰብ እንታይ ዘእትው ኣለዎ? ዝብሉ ዓበይቲ ሕቶታት ብቐጥታ ነቲ ሕመረት ናይቲ ሲኖዶስ ብዝትንክፍ ስልጣናዊ ስብከት፦ ድሕሪ እቲ ኣድማሳዊ ስቕታን ድሕሪ ናይ ታሪኽ ደመናን…እግዚኣብሔር ኣሎዶ ወይስ የሎን? እንተሎ ይፈልጠና ድዩ፣ ምሳና እታይ ዘእት ኣለዎ? ዝብሉ ሕቶታት ሎሚ ከም ቀደም ብዙሓት ሰባት ዘቕርብዎን እግዚኣብሔር ሓደ ጥንሰ ሓሳብ ድዩ ወይ ኣይኮነን? ጭቡት ድዩ ወይ ኣይኮነን? ስለምታይ እዩ ዘይደሃይ? ወንጌል ማለት እግዚኣብሔር ስቕታኡ ስዒሩ ማለት እዩ” እንክብሉ ትርጉም ወንጌል ገሊጾም፣ “እግዚኣብሔር ተዛሪቡ፣ ህልው ድማ እዩ (…) ይፈልጠናን የፍቅረናን። ኣብ ታሪኽ ኣትዩ ኢዩ። ኢየሱስ ናቱ ቃል እዩ፣ ኣግዚኣብሔር ምሳናን ከምዘፍቅረና ምሳና ክሳብ ሞት ብምውራድ ሞይቱን ትንሳኤን እዩ።”
ቤተ ክርስትያን ነቶም ዓበይቲ ሕቶታት እትህቦ መልስታት ብዘይ ላንጋ ላንጋን ጥውይዋይ ዘረባን፣ እግዚኣብሔር ተገልጹ እዩ፣ ኵይኑ ግን እዚ ግልጸተ እግዚኣብሔር ከመይ ገርና ኢና እዚ ጭቡጥ ሓቂ ድሕነት ኮይኑ ናብ ናይ ሎሚ ሰብ ከነብጽሕ እንኽእል? ቅዱስ ኣቦና ጸሎት ዘሰልስቱ ሰዓት ቅድም ክብል ኣብ ዝዓረገ ጸሎት ዘሎ ማኅሌት ጠቀስ እንክምልሱ፣ ቅድም ጸሎት ምዃኑ ጠቒሶም፣ ሓዋርያት ቤተ ክርስትያን ቅዋም ብምርቓቕ ዘይኮነስ ጴንጠቆስጠ ንምጽባይ ኣብ ጸሎት ሓቢሮም እንከለዉ ኣዮም ዘቖምዋ፥ ኣንሕና ቤተ ክርስትያን ክንፈጥር ዘይኮነስ እቲ ንሱ ዝገበሮ ከነፍልጥ ጥራሕ እዩ ተኽእሎና፣ ቤተ ክርስትያን እትጅምር በቲ ናታ ዕዮ ዘይኮነስ በቲ ናይ እግዚኣብሔ ተግባርን ቃልን እዩ። እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ቤተ ክርስትያን ክፈጥር ዝኽእል። እግዚኣብሔር እንተድኣ ዘይዓዩ ኣባይትና ናይ ገዛእ ርእስናን ዘይብቑዕን እዩ ዝኸውን፣ እግዚኣብሔር ከምዝዛረብን ከምእተዛረበን መስካሪኡ ኣግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ።”
እቲ ቅዱስነቶም ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ብፁዓን ጳጳሳት ዲኖዶስ ብጸሎት ክጅምር እንክሎ ሥርዓትን ልምድን ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ እንታይደኣ ወትሩ ተበግሶን ሓረንን እግዚኣብሔር ምዃኑ ንዘሎ ግንዛቤ መግለጺ እዩ። ሰብ ንኣኡ ክማሕጸንን ቤተ ክርስትያን ምስ እግዚኣብሔር ክትተሓባበርን ጥራሕ ከምእትኽእልን ብኻልኣይ ደረጃ ናብቲ ብላቲን ቋንቋ “confessio” ማለት ተኣምኖተ ሃይማኖት ብወግዒ ኣሜን ምባል ዝብል ቃል ጠቒሶም ኣብ ክርስቶስ እኣምን ማለት ብሓቂ ግቡእ ግብረ ተኣምኖተ ሃይማኖት እዩ። ሽሕ’ኳ መስዋዕትነት ዝሓትት እውን እንተኾነ ኣብ ቅድሚ ሓደ ቤት ፍርድን ብትብዓት እኣምን ማለት ምዃኑ፦ “እታ ‘confessio’ እትብል ቃል ኣብ ናይ ክርስትና ቋንቋ ላቲን ቃለ ተኣምኖ ማለት ምዃኑን እዚ ቃል ስነ መስዋዕትነት ዝብል ሓሳብ ብውሳጥኣዊ ተፈላጥነት ዝጠቓለል እዩ። ኣብ ቅድሚ ጸላእቲ እምነት ምምስካርን ኣብ ስቓይን ሞትን ኣብ ዘስዕብ ኵነት እውን ምምስካርን (…) እዚ እዩ ድማ ተኣማንነት ዘውሕስ፣ … ስለዚህ ቃለ ተኣምኖ ሕይወትካ ክሳብ ምሃብን ስቓይ ንምቕባል ድልው ምዃን ይሓትት” ኢሎም።
ተኣምኖተ ሃይማኖት ርእዩ ወይ ድማ ግሁድ ዘብሎ ኵነትን ተግባርን የድሊ እዩ። በዚ ሓሳብ ድማ ናብ ሳልሳይ ነጥቢ ‘ፍቅሪ’ ዝብል ዘኪሮም፦ “ኣባና ኣብ እምነት ክዓቢ ዝግብኦ ውዕዉዕ ስምዒት ኣሎ። እዚ ውዕዉዕ ስምዒት ናብ እሳተ ፍቕር ክልወጥ ኣሎዎ (…) ክርስትያን ዝሁም ማለት ኣይ ውዑይ ኣይ ዝሑልን ክኸውን የብሉን (…) እምንት ንጐረቤትና ዝውልዕ ኣብ ውሳጤና ናይ ሃልሃልታ ፍቕሪ ኮይኑ ምዃንና ቃል ቃል ዘብልን ናይ ምዃንና ዓቢይ ስምዒት ክኸውን ኣለዎ። እዚ እዩ ድማ እንታይነት ኣስፍሆተ ወንጌል” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.