2012-10-09 15:39:26

ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንናይ ቤተ ክርስትያን ተራኻብነት ብድሆ እዩ


ኣብ ፍጻሜ ቀዳማይ ዋዕላ ናይ መላእ ካቶሊካውያን ብጹዓን ጳጳሳት ዲኖዶስ ኣመልኪቶም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ሲኖዶስ ኣካያዲ ኣፈ ጉባኤ ናይ ዋሽንግተን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካዲናል ዶናልድ ዊሊያም ወይርልን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት RealAudioMP3 ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብዚ ናይ ኢደ ጥበብ ምርቓቕ ኣብ ዝተረጋገጸሉ ዘሎ ዓለም ወንጌል ምብሳር ዓቢ ብድሆ ምዃኑን እዚ ድማ ንገዛእ ርእሱ ንናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝምልከት ምዃኑን” ብፁዕ ኣቡነ ቸሊ ገሊጾም እዚ ድማ እቲ ሲኖዶስ ካብ ዝመያየጠሎም ሓደ ነጥቢ እዩ ኢሎም።
ብፁዕ ካርዲናል ወይርል ካብ ጋዘጠይናታትን ንዝቐረበሎም ተደጋጋሚ ሕቶ መሠረት፦ “ኣብቲ ናይ ትማሊ ዋዕላ ሲኖዶስ ትኽክለይናን ቅኑዕን መንነት ካቶሊካዊ ኣብቶም ካቶሊካውያን ምእመናን ዳግም ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑን መንነትካ ዘይምፍላጥ ንዘተ ኾነ ምስካልኦት ኣቢያተ ክርስትያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝካየድ ዘተ እውን ዘይከል ከምዝገብሮ ዝብል ሓሳብ ከምእተሰምረሉን፣ እዚ ድማ እቲ ናይ ካቶልካዊት ቤተ ክርስትያን ትምህርተ ክርቶስ መበል 20 ክበዓል እንቀራረበሉ ዘሎና ሰነድ ዝሕብሮ እዩ” እንክብሉ ገሊጾም።
ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ኣቡነ ቸሊ ብወገኖም፦ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ኩነት ሕብረተሰ ብትኽክልን ብቕኑዕን መገዲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ምብሳር ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ቅድም ቀዳድም ቤተ ክርስትያን ብባህርያ ኣብሳሪት ወንጌል እያ፣ ነዚ ዘይምንባር ናይ ገዛእ ርእሳ ትርጉምን ጸዋዕታን እያ ትጻረር፣ ስለዚህ እቲ ሽግር ኢደ ጥበባዊ ዘይኮነስ ናይ ሜላ ሕቶ እዩ። ቤተ ክርስትያን ከምይ ገይራ እያ ምስ ዘርኢ ሰብ ትዝትይ፣ ምስኣቶም ኮይና ሓጎሶምን ሓዘኖምን እናተኻፈለት ኣብ ክውኑ ኩነት ዘርኢ ሰብ ተሳታፊት ኮይና ክትዝትይ ከምዘለዋ ምርዳእ የደሊ፣ አደነት ባህርያ ክተቃልሕን ክትነብርን ኣለዋ” ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.