2012-10-06 15:10:00

ኣሲዚ፦ ዓውደ መጽናዕቲ “Cortile dei Gentili -ደንበ ኣህዛብ”


ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣብ ዓበይትን መሠረታውያን ቲዮሎጋውን ፍልስፍናውን ብዝተፈላለዩ ናይ ስነ መጽናዕቲ ክፍልታት ዝቐርቡ ሕቶታትን ዝወሃቡ መልስታቶም ዘማእከለ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያን ሊቃውንቲ ዘካይዶ “Cortile dei Gentili -ደንበ ኣህዛብ” ብዝብል መደብ ዘበገሶ ዓውደ መጽናዕቲ ብምቕጻል ዕለት 6 ጥቅምቲ ዝጠቓለል “ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ” (ግብሪ ሓዋ. 17፣ 23)” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይ ሊቃውንትን ዓበይቲ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ምሁራትን ዘሳትፍ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መንጐ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖለቲኖን ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ብዝተኻየደ ዘተ ከምእተጀመረ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ እዚ መደብ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ኣሲዚ ናይቲ ናይ ሃገረ ኢጣሊያ ሓላዊ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ዕለት 4 ጥቅምቲ ኣብታ ናይ ላቲን ስርዓኣት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝበዓለ ዓመታዊ በዓል ንጽብሒቱ ንኽካይድ ምውሳኑ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመትን ከምኡ እውን ኣብዚ ውርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንኽዝትይ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣገዳስነቱ ንምምስካር ምዃኑ እንክፍለጥ፣ እዚ ናይ ኣሲዚ ዓውደ መጽናዕቲ ደንበ ኣሕዛብ ኣተሓሒዙ ንመንእሰያት ዝኣመተ መደብ እውን ከምዘካየደ ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን፣ ብፁዕ ጃንፍራንኮ ራቫዚ ከምዝገለጽዎ፣ “ንዘይተፍለጥ ኣምላኽ” ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ምዃናዊ ምስትውዓል ህላዌ እግዚኣብሔር ዘተኮረ እዩ። ስለዚህ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ዘራኽብን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላምን እምነትን ኢምንትነትን ዘተ ዘተባብዕ ኣርእስቲ እዩ ኢሎም።
“ምስ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ዝተገብረ ዘተ ኣብ ባህርያዊ ስነ ምግባርን ስርዓተ ሕግን ማለት ነቲ ብኑባሬ ኣብ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ናይ ስነ ምግባርን ስርዓትን ሕግን ባህርይ ዘማእከለ ኰይኑ፣ በዚ መገዲ’ዚ ኣቢልካ ድማ ናብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ኑባረኣዊ ኣፍልጦ ‘ዘይፍለጥ ኣምላኽ’ ብምጻሕ እምነት ክርስትና ካብ ዘይፍለጥ ኣምላኽ ናብ ዝፍለጥ ኣምላኽ ዘሰጋግር ምዃኑ ዝሓበረ እዩ። ብኻልእ መዳይ እውን ነቲ ንናይ ህልውና መሠረት ዝኾኑ ደረት ትራኢት ሕቶታት ስነ ምግራውን ኣብ ሓቂ ዝተመርኮዘ ሕይወትን ዝዳህሰሰን፣ ኣብ ሕብረተሰብ ወትሩ ዘጓንፍ እግዚኣብሔር ዶ ቄሳር ዝብል ሕቶ ዝተንተነ ዘተ እዩ ኔሩ” ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.