2012-10-05 09:13:54

ቅዱስ ኣቦና፦ “ማርያም ኩለንተናኣ ንፍቓድ ኣምላኽ ብምልኣት ድልው ገይራ ስፍራ ህላዌን መሕደሪ ወዲ እግዚኣብሔርን ኰነት”


ቅዱስ ኣቦና ናብ ውሽጢ ማርያማዊ ቤተ መቕደስ ኣትዮም ብፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሓው ካፑቺ ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ማውሮ ዥህሪ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልኽት ዝተሰነየ ካብ ናይ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ማሕበረሰብ ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ምዉቕ ኣቀባብላ ምስ ቀረበሎም፣ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ RealAudioMP3 ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ኣስተንትኖ ፈጺሞም ልክዕ ሰዓት 10ን ፈረቓን ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነን ብናይ ሎሬቶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ቶኑቺን ብናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሳልቫቶረ ፊዚከላን ብናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤተሮቪችን ተዓጂቦም ምእንቲ ክብሪ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ሎረቶ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ስልጣናዊ ስብከት እንከስምዑ፦ “ዝኸበርኩም ብጵጵስና የሕዋተይ ዝኾንኩም ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን፣ ዝተፈኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን፦ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1962 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ምጅማርን ከይድን ፍጻሜን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንሓልዮት እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከማሕጽኑ ዝፈጸመዎ ሓውጾተ ኖልዎ መበል 50 ዓመት ንምዝካርን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ‘ኦ ማርያም ረዳኢተ ኤጰስ ቆጶሳትን ናይ ሮማ ጳጳስን ዝኾንኪ፣ ነቶም ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንዝእከቡ ነቲ ናይ ደቀ መዛሙርቲ ናብ ጽርሓ ጽዮን ምእታውን ኣቶም ናይ ኢየሱስ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ብሓይሊ ፍቕሪ ክርስቶስ ሓደ ልብን መንፈስን ምዃኖም ዝቃልሕ ምልክት ኣዩ እሞ፣ ሎምን ንመጻእን ብጸጋ እግዚኣብሔር ተመሪሕና ምእንቲ ናይ ነፍሳት ድሕነት ክንስዋእ ናባኺ ንምሕጸን፣ ነዚ መበል 21 ሲኖዶስ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ከተሰንዮን ኣብ ልቢ ኵላቶም ደቂ ቤተ ክርስትያን ሓድሽ መንፈሳውነት ምውዕዋዕን ትብዓት ለጋስነትን ጽንዓት ዕላማን ክረጋገጽ መታን ናባኺ ንምሕጸን” እንክብሉ ዘቕረብዎ ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ዘኪሮም፣ ልክዕ ከም ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከይኖም ዝተሓርዩ ሎሚ እውን ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መብል 16 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝፍጽምዎ ዘለዉ ሓውጾተ ኖልዎ ምዃኑን እዚ ዝፍጽምዎ ዘለዎ ሓውጾተ ኖልዎ፣ በታ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምጅማር ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዝብዕለላ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ዝጅመር ናይ እምነት ዓመትን ኣብ ጥቅምቲ ወርሒ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምስፋሕ እምነት ክርስትና ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ንኽኻይድ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ንሓልዮት እኖ ድንግል ማርያን ነኸማሕጽኑ ሓቂኖም ምዃኖም ገሊጾም።
ንዅሎም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝሳተፉ ልባዊ ሰላምታ ኣቕሪቦምን ንናይ ሎረቶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጂቫኒ ቶኑቺን ነቶም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓበሩ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ተሳተፍቲ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ደናግልን ምእመናንን ከምኡ እውን ንናይ ከተማ ሎረቶ ከንቲባ ዶክተር ፓውሎ ኒኮለቲን ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ወከልትን ኣመሓደርትን ነቲ ዝፍጽመዎ ዘለዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዕውት ንምግባር ብዝተፈላለያ ናይ ኣገልግሎት መዳይ ኣስተዋጽኦ ንዘበርከቱን ንዅሎም መንፈሳውያን ነጋዶን ኣመስጊኖም።
“ናይ እምነት ዓመት ጽቡቕ ኣጋጣሚ ማለት በዚ ጎይታ ዘወፍየልና ዘሎ ኣዋን መንፈሳዊ ጸጋታት ነቲ ብርቂ ዝኾነ ህያብ እምነት ኣብ ምዝኽኻር እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋተይ ብፁዓን ኣቡናት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኪሓብሩን ኪሰምሩን” (Porta fidei -ኣፈደገ እምነት, ፍቕዲ 8) ምእንቲ ናይ እምነት ዓመት ብዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእክቲ ዘቕረብዎ ቃል ጸዋዕታ ጠቂሶም፣ ሎረቶ ኣብታ ስለ ዝኣመነት ብፅዕት (ሉቃ. 1,45) ዝተባህለት ናይ እኖ ማርያም ቤት ትምህርቲ ተሳትፍ ጸጋ እያ። ሎረቶ ቅዱስ ስፍራ ኣብታ ናይ ማርያም ምድራዊ ቤት ዙሪያ ዝተሓንጸት ቅዱስቲ ስፍራ ብምዃና፣ እቲ ናይ ቅዱስ ገብርኤል ሰላምታ ቃል ብስራት ትስብእቱ ለእግዚእነን “እቲ ቃል ስጋ ኰነ” (ዮሓ. 1,14) ንመደብ ምድሓን ኣምላኽ ሱታፌ ማርያም ዝሃበቶ መልሲ ዝተዓቀበሉ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣዘኻኺሮም፣ “ማርያም ኩለንተናኣ ንፍቓድ ኣምላኽ ብምልኣት ድልው ገይራ ስፍራ ህላዌን መሕደሪ ወዲ እግዚኣብሔር” ከምዝኾነትን፣ እቲ መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን (ዕብ. 10፣ 5,7) ዝውከሶ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ዘሎ “መስዋዕትን መባእን ኣይደሌኻን እንተኾነ ሰብነት ኣዳሎኻለይ…እነሆ ፍቓድካ ክፍጽም መጺአ ኣሎኹ በልኩ” ማርያም ኣብ ሉቃስ ወንጌላዎ ምዕ. 1 ፍቕዲ 38 “እነኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ።” ብዝብል ተመሳሳሊ ቃል ከምዘቃልሓቶ ቅዱስ ኣቦና እንከረድኡ “ናይ ማርያም ፍቓድን ፍቓድ ወልደ እግዚኣብሔርን ኣብቲ እንኮ ናይ ፍቕሪ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ይጋጠም፣ ኣብኣ ሰማይን ምድርን ይሓብሩ፣ እግዚኣብሔር ፈጣርን ፍጥረት እግዚኣብሔር ይሓብሩ፣ እግዚኣብሔር ሰብ ኮነ፣ ማርያም ድማ ህያው ቤተ መቕደስ መንበሪ ናይቲ ልዑል ጎይታ ኮነት” ኢሎም እዚ ድማ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘስተንተንዎ ዓቢይ ምስጢር ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣዘካኺሮም፣ ኣብዚ ናይ ኤኮኖሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝተፈላለየ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ኣብ ዝመልኦ ዓለም “እግዚኣብሔር ብትስብእት ወልደ እግዚኣብሔር ኣቢሉ ፍጥረት ሰብ ንእግዚኣብሔርን እግዚኣብሔር ንፍጥረት ሰብ ኣገዳሲ ምኻኑ ይሕብረና። ሰብ ብዘይ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ፍቕርን ምትሕብባርን ንኣይነትን ኣነነትን፣ ኣክንዲ ክቡራት ዋጋታት ጉእዛውነንት፣ እክንዲ ምዃን ምኽዕባት ጥራሕ እዩ ዘቐድም፣ ምእንቲ’ዚ ሰብ ሰብ ክኸውን መታን ናብ እግዚኣብሔር ምምላስ የድልዮ። ምስ እግዚኣብሔር ኣብቲ ጽንኩር እዋን ተስፋ ፈጺማ ኣይትቕህምን እያ። ትስብእቱ ለእግዚእነ በይንና ከምዘይኮንናን፣ እግዚኣብሔር ናብ ሰብእውነትና ከምዝኣተወን ከምዘሰንየናን የረጋግጸልና” ኢሎም።
“ህያው ቤት ህልወተ ወልደ እግዚኣብሔር ቅዱስ ስፍራ ማርያም እያ። ንሳ ድማ ናብ እግዚኣብሔርን መንበሪ እግዚኣብሔር ትመርሓና፣ ኩላትና ኣብታ ክርስቶስ ዝነብረላ ኩሉ ሓው እምበር ወጻእተይና ዘይኮነላ ካብ እምነት እትወሃበና ቤት ከምዘለና ከነስተውዕል ይግብኣና” ከምዝበሉ ክሕበር እንከሎ፣ “ንማርያም ኣንከነስተንትን ንእግዚኣብሔር ክፉታት ምዃና ገዛእ ርእስና ንሓትት፣ ኣብ ሕይወትና ህላዌ እግዚኣብሔር ምቕባል ገዛእ ርእስና ምድራት ማለት ዶ ኾን የስምዕ? እምበኣርከስ እግዚኣብሔር እዩ ንነጻነትና ናጻ ዘውጽእ፣ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምዕጻውን ናይ ስልጣን ህርፋንን ሃብቲ ምኽዕባትን ልዕልናን ናብቲ ሓቀይና ናጽነት ዝኾነ ገዛእ ርእኻ ናይ ምውፋይን ፍቕርን ኣገልግሎትን ምትሕስሳብን ይመርሓና” ኢሎም።
እምነት ኣብ ሕይወት ክንነብርን ኣብ መገዲ ሕይወት ክንጓዓዝን ከምዘብቀዓናን፣ እዚ ድማ እታ ቅድስቲ ቤት ማርያም ከምእተረጋግጾ ዘረድኡ ቅዱስ ኣቦና፣ እዛ ቤት ናይ ግልን ካልኦት ናብኣ ከይኣትዉ ናብኣ ዘብል ሓባሪ መገዲ ዘይብላ ዘይኮንትሲ ቤት ናይ ኩሉ ስድራ ቤት እያ። ስለዚህ ዘለኣለማዊት ከተማ ማለት ናይ “እግዚኣብሔር ምስቲ ዝደሓነ ዘርኢ ሰብ” (ራእይ. 21.3) መንበሪት እያ” ኢሎም።
ኣብቲ ኣብ ወንጌል ተነቢሩ ዘሎ ክውንነት ብስራት፣ እግዚኣብሔር ናይ ሰብ እነኹልካ ዝብል እወታዊ መልሲ ይሓትት፣ ስለዚህ በዚ መልክዕ’ዚ እታ ነዚ ብምልኣት እትፍጽሞ ናጻ ዝኾነት ፍጥረት ይፈጥር፣ ቅዱስ በርናርዶስ በዓል ኪያራቫለ “ማርያም ናይ እግዚኣብሔርን ናይ ፍጥረት ሰብ እወታዊ መልሲ ትጽቢት ምዃናን መልኣኽ ናብቲ ዝለኣኾ እግዚኣብሔር መልሲ ንኸብጽሕ ካብ ማርያም መልሲ ይጽበ፣ ዝመለሰሉ ሰዓት በጺሑ እዩ ዝበሎ፣ እግዚኣብሔር ሰብ ኮይኑ ኣብ መንጐና ክሓድር ናይ ማርያም ናጻ መልሲ ይጽበ፣ ብርግጽ እነኹልካ ዝብል እወታዊ መልሲ ማርያም ፍረ ናይ መለኮታዊ ጸጋ እዩ። ጸጋ ነጻነት ዝግህስ ዘይኮነስ ይፈጥሮን የጽንዖን፣ እምነት ካብ ፍጥረት ሰብ ዝሓኮ ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን፣ እኳድኣ ይፍጽሞን ምልኣት ይህቦን” ኢሎም።
ዝተፈተኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን “ናይቲ ሕያው ወንጌል ዝኾነ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ዓመታዊ በዓል ኣብ ዝብዕለሉ ዕለት፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ዝፈጸመዎ መንፈሳዊ ንግደት መበል 50 ዓመቱ ዝዝከረሉ ዕለት እንፍጽሞ ዘሎና መንፈሳዊ ንግደት ናብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ እቲ እዋናዊ ዓለምና ዝነብሮ ዘሎ ጽንኵር ኩነትን ናይ ኣባይቲ ስድራ ሽግራትን ናይ ኵሉ መንእሰይ ንሕይወት ክፉት ናይ ምዃን ምንዮትን ጭቡጥ ሓገዝን ድጋፍን ናይ ዘድልዮም ዜጋታት ትጽቢትን ከምኡ እውን እቲ ኣብ ቅድመና ኣፍደግኡ ዘርህው ጸጋ ንቤተ ክርስትያንን ንሓልዮት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማቑብ ቢሎም፣ ነኣኺ እኖ ሰማዒት ኢየሱስ በቲ እነኹልካ ዝብል ቃላትኪ ገርኪ ብዛዕባኡ ንገርናን፣ ኣብ ናይ እምነት መገዲ መታን ክንጓዕዝ ጎዕዞታትኪ ኣዘንትውልና፣ ኩሉ ፍጥረት ሰብ መንበሪ እግዚኣብሔር ክኸውንን ንኣኡ ክቕበልን ከበስርን ደግፍና፣ ኣሜን” እንክብሉ ናይ እመት ዓመትን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን ንሓልዮት ኣኖ ማርያም ኣማሕጺኖም ዘስምዕዎ ስብከት ኣጠቓሊሎም ድሕሪ ፍጻሜ ሥርዓት ቅዳሴ ሰዓት ፍርቂ መዓልቲ ፈረቓን ብመኪና ናብቲ ኣብ ሞንቶሮሶ ዝርከብ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማእከል ነቒሎም ሰዓት ሓደን ፈረቓን ኣብ መኣዲ ምሳሕ ተቛዲሶም ሓጺር ዕረፍቲ ገይሮም ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ነቶም ናይዚ ሓዋርያዊ ዑደት ኣሰናዳእቲ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ንሰዓት ሓሙሽተ ርብዒ ጎደል ካብ ናይ ሎሬቶ ሰበ ስልጣናትን ምእመናንን ደናግል ካህናትን ተሰናቢቶም ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቐትሪ ካብ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማእከል ብሄሊኮፕተር ተሳፊሮም ሰዓት 18 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም በጺሖም።







All the contents on this site are copyrighted ©.