2012-10-02 15:26:40

ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ጸሎት ር.ሊ.ጳ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ዕረፍቲ ጊዜኦም ፈጺሞም ካብ ሐዋርያዊ አደራሽ ካስተንጋንደልፎ ትማሊ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11፡30 ናብ ሐዋርያዊ መንበሮም መንበረ ጴጥሮስ ከተማ ቫቲካን ተመሊሶም፣ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ቅድስት መንበር ከምዝገለጾ ነዙ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኩሎም ምሳኦም ሓቢሮም ክጽልዩሉ ዝወጸ መደብ ከአ “አብ ጥንታዊ ክርስትና ዝነበረን ሃገራት ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ምእንቲ ክድንፍዕ ንጸሊ” ዝብል ኮይኑ ነቲ ጽባሕ ብ ዕሊ ዝኸፍትዎ ሲኖዶስ ጳጳሳት መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ዘተኮረ ኢዩ፣ ከምቲ አቀዲሙ ዝተሓበረ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 7 ጥቅምቲ አብ መንበረ ጴጥሮስ ቅዱስነቶም ብዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ወግዓዊ ምኽፋት ናይቲ ሲኖዶስ ክእወጅ ኢዩ፣ነዙይ ብዝምልከት “ሓዲስ መአዝን” ናይ ዝብል ማኅበረ ሰብ ኃላፊትን አብቲ ሲኖዶስ ከም ሰማዒት ክትካፈል ዝተዓደመትን ክያራ አሚራንተ ንረድዮ ቫቲካን አብ ዝሃቦኦ መግለጺ፣ “ካብ ናይ ዘመንና ቀንዲ ግድላት ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ሕጹጽ ምንቅስቃስ ዘድልዩ ኢዩ፤ ብሥራሓት ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ ሲኖዶስ ከአ አብ ማኅበረሰብ ክርስትያን ዝሰርጽ መንፈስ ክርስትና ዝኽስተሉ ሓዲስ ተበግሶ ክርከብን ንብዙሓት ናይ ዘመንና ሓደስቲ ግድላት መፍትሒ ዝኾኑ ለበዋታት ዝርከበሉን ቤተ ክርስትያንና ከአ ምስ ናይ ዘመንና ሰባት ንክትዋሳእ አብ ስብከተ ወንጌል ዘለዋ አቅሚ ክብ እተብለሉን ክኸውን እትስፎ፣ ቀንዲ ጸገም ናይ ዘመንና ሰባት ሽሕኳ ብርቱዕ ጽም ኢ ናይ እግዚብሔርን እምነትን እንተሎ ዳርጋ እግዚአብሔር ከመዘየሎ ጌርካ ናይ ምንባር ዝንባሌ ሒዞም ኢዮም ሒዞም ዝጐዓዙ ዘለው፣ ነቲ ካል አይ ጉባኤ ቫቲካን ቅድሚ ሓምሳ ዓመታት ዘብርሃልና ነገር ሎሚ ምልስ ኢልና እንተረአና ዝተጠመቁ ኩሎም ሰብኽቲ ወንጌል ክኾኑ ዝተጸዉዑ ኢዮም፣ እዚ ጻውዒት እዚ ናብ አቡናትን ካህናትን ጥራይ ነጸግዖ አይኮንን እንታይ ደአ ቅድሚ ጉባኤ ቫቲካን ቃል አምላኽ ከምዘሎ ብምዝካር ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ አብ ዝጸሓፎ “ወንጌል ክርስቶስ እንተዘይሰቢኸ ወይለይ” ዝብል ናይ ስብከተ ወንጌል ምሕጽንታ ንጀሃረሉ ጉዳይ ዘይኮነ ግዴታና ምዃኑ ንፍለጥ፣ ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ክርስትያን ኩሎም ነቲ ንናይ ግዜና ሰባትን ኅብረተሰብን ግድላትን ጸገማትን ወንጌል ዝበርክቶ ፍታሕን መልስን ንካልኦት ከመሓላልፉ ትሑዛት ኢዮም፣ እዚ ከኣ ብሕጹጽ ምእመናን ክግብርዎ ዘለዎ ኢዩ ክብላ ናይ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ቀንዲ ተዋሳእቲ ጥምቀታዊ ኃላፍነቶም አብ ግብሪ ከው ዕሉ ዝግደዱ ምእመናን ምዃኖም ሓቢረን፣







All the contents on this site are copyrighted ©.