2012-10-02 15:00:35

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ሓፈሻዊ ጉባኤ


ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ መስከረም 2012 ዓ.ም. ኣብ ስዊዘርላንድ ሳን ጋሎ ከተማ ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ሕብረት ምሉእ ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ከምእተዛዘመ ክፍለጥ እንከሎ። ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ሕብረት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ RealAudioMP3 ድሕሪ ምዝዛም እቲ ጉባኤ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ናይዚ እዋን’ዚ ቤተ ክርስትያን ውጽኢት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኾነ ምልክታ ተስፋ ከተስተውዕል ተጸዊዓ እያ” ከምዝበሉ ነቲ ጉባኤ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪዮ ጋልጋኖ ሓቢሮም።
ኣብቲ ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ጋሎ ብዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተዛዘመ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ሕብረት ጉባኤ 50 ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ከምእተሳተፉን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቅልውላው ኤኮኖምን ቅልውላው እምነትን ብጠቕላላ ብዛዕባ ብድሆታት ኤውሮጳ ብዝርዝር ከምእተዘተየን፣ ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ሓቢሮም፦ “ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ፍልቀት ኤውሮጳ ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እናለለየት ንዕለታዊ ሕቶታት ኤውሮጳ ኣብ ሓቂ ዝቖመ መልሲ እናሃበት እትጓዓዝ እያ። እዚ ማለት ድማ ክስተት ዓለማውነት ምትእስሳርን ምዕባለ ኢደ ጥበብን ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው ኣሉታውን እወታውን ሳዕቤናቱ ብምትንታን ምዕባለ ንናይ ኣስፍሆተ ወንጌል መጋበርያን ንናይ እምነት ምስፋሕ ኣገልግሎት ዝህቦ ኣስተዋጽኦ ዓቢ ምዃኑ ቤተ ክርስትያን ከምእተኣምነሉን እትጥቀመሉን እውን ዳግም ዝገለጸ ጉባኤ ኢዩ ኔሩ” ኢሎም።
“ኢየሱስ ናይ እግዚኣብሔር ንሕይወት ሰብን ነጻነትን ፍቕርን መልሲ እዩ። እቲ ዝብሰር ወንጌል ነዚ ናይ ኢየሱስ ፍጹም ምዃን ዘስተውዕል እዩ። ወንጌል ከምዝገልጾ እግዚኣብሔር ፍቕርን እቲ እውነተይና መልክዕ ፍጥረት ሰብ ዝገለጽን ካብ ግብረ ገባዊ ውድቀት ኣድሒኑ ናብቲ ምሉእ ሰብኣውነቱ ዘሰጋግር እዩ። በዚ መሰረት እቲ ኣብ ኤውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ሳዕቤን ናይቲ ሕሉፍ ቀይዲ በተኽ ነጻነት ዝዀነ፣ ኤኮኖሚያዊ ስነ ምግባርን ብሓፈሻኡ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ብምምልካት፣ ክርስትና መልሲ ከምዝኾነ ዘነጸረ ጉባኤን ዓለማውነት ባህሊ ንክርስትና ብጥርጠራ ክርእዮ ከምዘይብሉን ናይ እምነትን ምርምርን ኣኽናፍ ከፍርሖ ከምዘይብሉን ቤተ ክርስትያን ናይ እምነት ሓቅነት እናመስከረትን በዚ መሰረት’ዚ ድማ ኣብ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት ተዋሳኢት ኰይና ብምቕራብ፣ እቲ ነቕ ዘይብል ናይ ኅብረተሰብ ዓንዲ ዝኾነ ስድራ ቤት ክሕሎን ናይ ኤውሮጳ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ህብረ ሃይማኖታትን ህብረ ባህልታትን ታሪኻዊ ሓቅነት ዘለዎ ባህሊ ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ከምዘስመርሉ፣ ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.