2012-10-02 14:53:30

ብፁዕ ኣቡነ ቶኑቺ፦ ሎሬቶ ኣብ ትጽቢት ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.


ዕለት 4 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓስን መበል 23 ኣብ ሎሬቶ ማርያምዊ ቅዱስ ስፍራን ከምኡ እውን ካብ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 24 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ንኽበዓል ቅዱስነቶም ንዝኣወጅዎ RealAudioMP3 ናይ እምነት ዓመትን ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ወግዓዊ ምጅማር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ብዛዕባ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል እምነት ክርስትና ንምትሕልላፍ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንኽካይድ ቅዱስነቶም ዝወሰንዎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ዲኖዶስ ንሓልዮ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንምቕራብ ኣሚቶም ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ከምዝወሰኑ ቅድም ክብል ተገሊጹ ከምዝነበረ እንክዝከር፣ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ፣ ምስክርነት ትጽቢት ሎሬቶ ንቅዱስ ኣቦና እንታይ ከምዝመስል ምስ ናይ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሊቀ ጳጳስን ናይ ጳጳሳዊ ወኪል ንቤተ መቅድስ ቅዱስቲ ቤት ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ቶኑቺ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ፣ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነቶም ዓበይቲ ፍጻሜታት ቤተ ክርስትያን ብሓልዮት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተጀሚሩን ክፍጸምን ናብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሎሬቶ ዝፍጽመዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሎሬቶ ዝተፈጸምዎ ታሪኻዊ ሓውጾተ ኖልዎ ምልስ ቢሉ ዘዝክር ጥራሕ ዘይኮነስ ሓድሽ ሓሳብን ፍጻሜን ዝሓዘለ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ምጅማር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንሓልዮት ማርያም ከወፍዩን እቲ ዓቢይ ኵነት ብሓልዮታ ክምራሕ ኣሚቶም ዝፈጸመዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዘዘኻኽርን ምእንቲ እቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔታት ብምስትንታን ኣብ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይን ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ዲኖዶስ ኣብ ሓልዮት እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንምንባር እዩ” ኢሎም።
ወንጌል ካብ ዝበጽሖ ዘመናት ዘቑጸረን ክፍሊ ዓለም ድሮ ዝተሰብከን ክርስትና ብልማድ ዝንበሮ ኮይኑ ወንጌልን ሕይወትን ዝነጻጽል ዓይነት ኣነባብራ ብሰፊሕ ዝረኣየሉ ቦታ ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናብዚ ከባቢ’ዚ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ምቕራብ ማለት እንታይ ምዃኑ ብፁዕነቶም እንከረድኡ፦ “ዳግማዊ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ ዝተራእየ ትራኢት ድግማ ዘይኮነስ ‘ዳግማዊ ኣስፍሆተ ወንጌል ብሕዳሴ’ ዝምራሕ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዝህልውን ቃል ኣምላኽ ቀጻልነቱ ኣብ ሕዳሴ ዝብል እዩ” ኢሎም።
ሎሬቶ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብምእንጋድን ስልጣናዊ ቃሎምን ኣስተምህሮኦምን ስብከቶም ጽን ንምባል ብሓንቀውታ ትጽበ ከምዘላ ናይ ሮማ ጳጳስ ኣብ ሎሬቶ ዝፍጽምዎ ሓውጾተ ኖልዎ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ታሽዓይ እትሒዙ ብተደጋጋሚ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23ን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሎሬቶ ዝፈጸመዎ ሓውጾተ ኖልዎ ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንመጋባእያ መንሰያት ኢጣሊያ ምኽንያት ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 2 መስከረም 2007 ዓ.ም.ን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኵይኖም ቅድሚ ምሕራዮም እውን ንሸውዓተ ጊዜ ኣብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙ እንክዝከር። ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ከምዝሕብሮ “ዕለት 4 ጥቅምቲ 20112 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ናይ ንጎሆ ሰዓት ትሽዓተ ብሄሊኮፕተር ካብ ሃገረ ቫቲካን ነቒሎም ሰዓት 10 ኣብ ሞንቶሮሶ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማእከል ብናይ ሎሬቶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ቶኑቺን ብናይ ኢጣሊያ ምኽትል መራሔ መንግሥቲ ዶክተር ኣንቶኒዮ ካትሪካላ ብዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽትን ብናይ ማርከ ክፍለ ሃገር ሊቀ መንበር ክቡር ጃንማሪዮ ስፓካን ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግስቲ ኢጣሊያ ክቡር ኣቶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ግረኮን ኣብ ኢጣሊያ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ኣድሪያኖ በርናርዲኒን ኣብ ኣንኮና ናይ ኢጣሊያ መንግስቲ ኅየንተ ዶክተር ፓውሎ ኦሬይን ብናይ ሎሬቶ ከንቲባ ዶክተር ፓውሎ ኒኮለትን ናይ ክፈለ ሃገር ኣንኮና ላዕለዋይ ሕዝባዊ ወኪል ዶክተር ፓቲሪዚያ ካሳግራንደን ብናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ዶክተር ፍራንቸስኮ ፒየርፓውሎ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፣ ናብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ በጺሖም፣ ሰዓት 10ን ርብዕን ኣብ ቅርዓት ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሎሬቶ ብናይ ሎሬቶ ከንቲባ ናይ ዕንቋዕ ደሓም መጻእኩም መልእኽቲ ቀሪቡሎም ናብ ውሽጢ ማርያማዊ ቤተ መቕደስ ኣትዮም ብፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሓው ካፑቺ ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ማውሮ ዥህሪ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልኽት ዝተሰነየ ካብ ናይ ሎሮቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ማሕበረሰብ ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ምዉቕ ኣቀባብላ ምስ ቀረበሎም ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ኣስተንትኖ ፈጺሞም ልክዕ ሰዓት 10ን ፈረቓን ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነን ብናይ ሎሬቶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ቶኑቺን ብናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሳልቫቶረ ፊሲከላን ብናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤተሮቪች ተዓጂቦም ምእንቲ ክብሪ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ሎሬቶ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ሰዓት 12ን ፈረቓን ብመኪና ናብቲ ኣብ ሞንቶሮሶ ዝርከብ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማእከል ነቒሎም ሰዓት ሓደን ፈረቓን ኣብ መኣዲ ምሳሕ ተቛዲሶም ሓጺር ዕረፍቲ ገይሮም ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ድሕሪ ቐትሪ ነቶም ናይዚ ሓዋርያዊ ዑደት ኣሰናዳእቲ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ንሰዓት ሓሙሽተን ርብዒ ጎደል ድሕሪ ቐትሪ ካብ ናይ ሎሬቶ ሰበ ስልጣናትን ምእመናንን ደናግል ካህናትን ተሰናቢቶም ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቐትሪ ካብ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማእከል ብሄሊኮፕተር ተሳፊሮም ሰዓት 18 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ክበጽሑ ምዃኖም” ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.