2012-09-29 13:16:54

ስብከተ ወንጌል ብምስክርነት ፍቅሪ ይኹን፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ቤት ምኽሪ ረኪበ ጳጳሳት ኤውሮጳ አብ ዝጸሐፍዎ መል እኽቲ ኢዩ፣ እዙይ ቅድሚ ትማሊ አብ ሳንጋለን ሃገረ ስዊስ ዝጀመረ ዓመታዊ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ረኪበ ጳጳሳት ኤውሮጳ ክሳብ ጽባሕ ሰንበት ዕለት 30 መስከረም ዝቅጽል ኮይኑ ከም መሪሕ ሐሳብ ስዋሳአሉ ዘሎ ከአ “ግድላት ናይ ጊዜና፤ ማኅብረ ሰባውን መንፈሳውን ኩነታትና” ዝብል ኢዩ፣ ካል እ አብ መርሓ ግብሮም ክዘራረቡሉ አመልኪቶሞ ዘለው ከአ አብ ኤውሮጳ ተጻይ ክርስትያን ዝግበር ዘሎ አድልዎ፤ አብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ስደት ክርስትያን፤ ነጻነት ሃይማኖት፣ ጉዳያት ኅበረት ኤውሮጳን ቤት ምኽሪ ኤውሮጳን፣ ዓመት እምነት ከማኡ ከአ ናይ ጉባኤ ቫቲካን መበል 50 ዓመት ዝብሉ ይርከብዎም፣
አብቲ ጉባኤ ኃላፊ ናይ ንአቡናት እትኃሊ ማኅበር ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ውለትን ካልኦት ካርዲናላትን አቡናትን ከማኡ እውን ተወከልቲ ናይ ደቡብ አመሪካ ረኪበ ጳጳሳት ቸላም ን ናይ አፍሪቃ ረኪበ ጳጳሳት ሰካም ክሳተፉ ኢዮም፣
ቅዱስነቶም አብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ አብ ዝለአኽዎ መልእኽቶም “መልእኽቲ ክርስትና ዝዝራአሉን ብብቅዓት ዝሥረተሉን አብቲ ብሓቅን ብብቅ ዓትን ብማኅበረሰብ ዝንበረሉ ኢዩ፣” እንክብሉ ብቍዕን ሓቀኛን ስብከተ ወንጌል ብተግባርን ብምስክርነትን ከምዝኾነ ገሊጾም፣ አተሓሒዝም ከአ “ናይ ስብከተ ወንጌል ናይ ኩሉ ግዜ ሥራሕ ከስተንትኑን ከመይ ገቢርካ ክሕደስ ከምዘለዎ ክዝትዩን ቀንዲ ከአ ብምስክርነት ሕውነታዊ ፍቅሪን ብኃባራዊ ጸሎትን ከምዝሥስን ከስተብህሉ ክምዘለዎም” ብምምልካት ንተጋባእቲ ሓደራ ቢሎም፣
ንመኽፈቲ ጉባኤ አብ ዝ ዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሠራዕን ሰባኽን ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮ እንክኾኑ አብ ስብከቶም ኩነት ኤውሮጳ ንጥቅሚ ጥራይ ቢልካ ዝተአኻኸብ ዘይኮነ ማኅበራዊ ክኸውን አለዎ፤ ኩነታት ደቂ ሰባት ከከም ታሪኽ ዓዳቶም ዝተፋላለዩ ገጻት ዝሓዘ ኢዩ፣ ብርሃንን ጸልማትን ምውዳቅን ምትንሣእን ሓጎስን ጓህን ዝተፈራረዎ ኢዩ፣ ምቅርራብን ምርሕሓቅን ዓወትን ውድቀትን ዘረባን ጸጥታን ተኸታቲሎም ሓደ ንሓደ ክትካእ ይረኤ፣ ስለዚ ሽሕኳ ጉባኤና አብ ኤውሮጳ ናይ ዘለዋ አብያተ ክርስትያን ሐዋርያዊ ግብረ ተል እኮን ጸገማቱን እንተኾነ ንጕዕዞ ኤውሮጳ እውን እጃሙ ከበርክት ከምዝደሊ አብሪሆም፣
ጳጳሳት ረኪበ ጳጳሳት ኤውሮጳ ንዘሎ ኩነታት ንምርዳእ ሊቃውንቲ ምሁራት ብምዕዳም ብዛዕባ ቁጠባዊ ማኅበራውን ፖሎቲካውን ዓሚቍ አስተምህሮ ተዋሂብዎም፣ ከማኡ እውን ብዛዕባ ጕስነታውን ናይ ቤተ ክርስትያን ምምሕዳርን ብዝርኢ ብሰፊሑ ይዘራረቡ አለው፣ ካብዚ ጕባኤ ብዙሓት ብተስፋ ዝጽበይዎ አመንቲ ነዚ ናይ ዘመንና ዓለም አብ ስብከተ ወንጌል ዝዋፈሩሉ ድልዱል መምርሒ ከምምዃኑ እውን ተገሊጹ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.