2012-09-29 15:06:44

ሰላምታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንማሕበረሰብ ጋስተል ጋንዶልፎ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንሓጋይ ዕረፍቲ ካብ ዝቐነይሉ ኣብ ካስተል ጋንዶፎ ካብ ዝርከብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ሎሚ ዕለት 29 መስከረም 2012 ዓ.ም. ናብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ከምእተመልሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ቅዱስነቶም ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ናይ ሓጋይ ናይ መጽናዕትን RealAudioMP3 ጸሎትን ዕረፍትን ዘሕለፍሉ እዋን ምሉእ ምትሕብባርን እንገዳን ንዘቕረብሎም ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ካስተል ጋንዶልፎ ዘሕለፍዎ ናይ ሓጋይ እዋን ዕዉት መታን ክኸውን ንኣኦምን ነቶም ኣብ ሓጋይ ዕረፍቶም ዘሰነይዎም ንተሓባበርቶም ብፁዓን ጳጳሳትን ካብ ማሕበረሰብ ካስተል ጋንዶልፎ ብዝተፈላለየ አገልግሎት አስተዋጽኦ ንዘበርከቱ ብምሉእ ልቢ ኣመስጊኖም፣ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ካስተል ጋንዶልፎ መርሃ ግብርታቱ ዕዉት መታን ክኸውን ከምኡ እውን ናብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝውሕዙ ዝነበሩ ምእመናን ኣመስጊኖም፣ ቅድም ቀዳድም ንናይ ኣልባኖ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ ናይ ካስተል ጋንዶልፎ ቆሞስን ናይ ሰበኻ ኣልባኖ ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ናይ ካስተል ጋንዶልፎ ኣመሓዳርን ተሓባበርቶምን ከንቲባን ዘኪሮም የቐንየለይ ቢሎም፣ ኵሎም ብፍላይ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ህሙማንን ኣብ ጸሎትም ህልዋት ምዃኖም ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ንናይ ሃገረ ቫቲካን ክፍሊ ምምሕዳርን ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድን ክፍሊ ግብረኣዊ ሞያን ናይ ክንክን ጥዕናን ኣባላትን ብሓፈሻኡ ንዕዉት ፍጻሜ መደብ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ በቢ ሙያኦም ኣስተዋጽኦ ነዘበርከቱ ኵሎም ኣመስጊኖም፣ እግዚኣብሔር ጻምኡ ይኽፈለኩም ቢሎም፣ ንኣእቶምን ስድራ ቤቶምን እግዚኣብሔር ክሕልዎም ተማሕጺኖም።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ናይ ስንብት መደብ ንዝተረኽቡ ኵሎም ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብ ጸሎት ንዘኻኸር ቢሎም ቅዱስነቶም ንናይ ኩሎም ናይ ጸሎት ሓሳብ ክጽልዩ ምዃኖም ብምርግጋጽ ወርሒ ጥቅምቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ሮዛርየም ምዃኑ ዘኪሮም ንዅሎም ንቅዱስ ሓለዋ እኖ ማርያም ኣማዕቍይቦም ብፍቕራ ተሰንየኵም ናብ ሓቅን ፍትሕት ትምራሕኩም ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቢም ከምእተሰናበቱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.