2012-09-27 13:57:26

ዒራቕ፦ ንናይ እምነት ዓመት ሓድሽ ብዓረብ ቋንቋ ዝተደርሰ ድረ ገጽ


ካብ ዕለት 12 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ክጅመር ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመት ምኽንያት ኣብ ኢራቕ ባግዳድ ኣል ኢማን ማለት ናይ እምነት ባግዳድ ብዝብል መጸውዒ ብናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስታይን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኤፍረም ዩሰፍ ኣባ ዝምራሕ ኣብ ዒራቕ እትርከብ ናይ ካቶሊካዊት RealAudioMP3 ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ክድረስ ከምዘነቓቐሐ ባግዳድ ሆፕ እተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።
ዕለት 12 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ኣብ ባግዳድ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ዮሴፍ ካቴድራል ብወግዒ ተጀሚሩ ዕለት 22 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ኣብታ ናይ ኣርመን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እኖ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘጽጌ ብዝዓርግ ምስዋዕተ ቅዳሴ ዝፍጸም ምዃኑ ዝገለጸ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ዕለት 14 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ኣብታ ቤተ ክርስትያን እኖ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘጽጌ ናይ መንፈሳዊ መዛሙራት ምርኢት ክቐርብ ከምዝኾነን ናይቲ ምርኢት ድግማ ዕለት 19 ሚያዝያ ናይ ሶሪያ ስርዓት ኣብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዘ ማር ቤንሃም ክቐርብ ምዃኑ የመልክት።
እቲ በቢ ዓመቱ ኣብ ወርሒ ጥሪ ቀዳማይ ሰሙን ምእንቲ ሓድነት ዝተፍላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝፍጸም ናይ ሓባር ጸሎተ ሰሙን ኣብ ናይ ድሕነት እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተ ክርስትያን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን መራሕትን ምእመናንን ምእንቲ ሓድነት ናይ ሓባር ጸሎት ክፍጸም ምዃኑን፣ ዕለት 21 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ዮሴፍ ናይ ሓድነት መደብ ጸሎት ከምዝፍጸምን፣ ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ብዛዕባ ናይ እምነት ዓመት መደብ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክቐርብ ምዃኑን ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ቤተ ክርስትያን “ናይ እምነት ማዕጾ፣ ጸዋዕታን ተልእኾን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ኣስተምህሮ ንመእሰያት ክወሃብ ምዃኑ ኣባ ኣልበርት ሂሻም ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.