2012-09-25 13:16:43

ታይዋን
ኣኼባ ንናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ


ኣብ ታይዋን ናይ ስነ መንፈሳውነት ማእከል ቻንጉሁዋ ነቲ በቢ ዓመቱ ብኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣማእኪሉ ብዛዕባ ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝዘተየ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓወደ መጽናዕቲ ቅድሚ ትማሊ ከምእተዛዘመ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ RealAudioMP3 ኣብቲ ዓወደ መጽናዕቲ ካብ ስልሳ ንላዕሊ ዝግመቱ ኣብ ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ዘገልግሉ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ደናግልን ብምስታፍ ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዕላማ ንናይ ታይዋን መንእሰያት ብፍላይ ድማ ንካቶሊካውን መንሰያት ሕንጸት ክወሃብ ንናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ መንእሰያት ዝቐረበ ሕቶ መሰረት ዝተኻየደ ምዃኑን፣ እዚ ሰንበት ዕለት 23 መስከረም 2012 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ዓውደ መጽናዕቲ ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማው ቀጺሉ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተነቓቕሑ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን ዝተመሓላለፉ ኣስተምህሮታትን ምዕዳንን ኣማእኪሉ ዓርቢ ዕለት 21 መስከረም 2012 ዓ.ም. ጀሚሩ ቀዳም ዕለት 22 መስከረም 2012 ዓ.ም. ጸዋዕታ ብመሰረት ቅዱስ መጽሓፍ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዘማእከለ መደብ ብተወላዲት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እናቴ ናኔ ጉትዝለር ብዝተውሃበ ኣስተምህሮ ቀጺሉ፣ ሰንበት ዕለት 23 መስከረም 2012 ዓ.ም. ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት መንሰይ ብመሰረት መጽናዕቲ ስነ ኣዕምሮ፣ ፕሮፈሰር ዝሄን ብዘቕረብዎ ኣስትምህሮ ተጀሚሩ ብዛዕብ ስነ ኣዕምሮ መንሰይ ምይይጥ ከምእተኻየደ ሓቢሩ።
እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ መንእሰይ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ሱታፌኡ ከበርትዕን ኣብ ጸሎትን ብፍላይ ድማ ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ምስጢረ ንስሓ ሱታፌኡ ከበርትዕ ግብራውነትን መንፈሳውነትን ኣጣሚሩ ክርስትያናዊ ሕይወቱ ንኽነብር ብኸመይ ክድገፍ ከምዘለዎ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዝቐረበሉን ዘተ ዝተኻየደሉ ከምዝነበረ ኤሺያን ንዊስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ ኣስዒቡ እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ብናይ ሻንጋይ ሰበኻ ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓሊዮ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ዝሆንግ ብዝመርሕዎ መስዋዕተ ቀዳሴ ከምእተዛዘመን፣ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ቤተ ክርስትያን ንመንእሰያት ዘለዋ ሓልዮ ዓቢይ ምዃኑን ከምዚ ዓይነት ዓወደ መጽናዕቲ ክተባባዕ ከምዘተሓሳሰቡ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.