2012-09-25 13:07:34

ብፅዕ ኣቡነ መሰንጎ ኪንዳ፦ ኢሰብኣዊ ኵነት ተመዛበልቲ ሰሜን ኪቩ


ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ከባቢ ሰሜናዊ ኪቩ ከተማ ጎማ ዝርከቡ ኩነት ተመዛበልቲ ዜጋታት ኣዚዩ ዘተሓሳብ ምዃኑ ናይቶ ተመዛበልቲ ኵነት ብቐረባ ንምክትታል ብናይ ኮንጐ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተመዘ ድርገት ዝመርሑ ናይ ካቢንዳ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቨለንቲን ማሰንጎ ኪንዳ ምስ ራዲዮ ቫቲካን RealAudioMP3 ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ ኵነት ተመዛበልቲ ኢሰብኣውነት ዝተመልኦ ምዃኑን፣ ሰሜን ኪቩ በቶም ጸረ ማእከላይ መንግስቲ ዝቃለሱ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ኤም ሳላሳን ክልተን ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ሓይሊ ዝተዓብለለ ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፣ ነቶም ተመዛበልቲ ዜጋታት ንምብጻሕን ኩነታቶም ብቐረባ ብምክትታል ዝከኣል ደገፍ ንምቕራብ ዝኣመተ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መደብ ቀንዲ ዕላማ እቲ ኣብታ ሃገር ክኽሰት ዝከኣል ምዃኑ ዝንገረሉ ስግኣት ባልካናውነት ኣመለኻኽታንን ዘስዕብቦ ምግምማዕ ቅርጺ መልክኣ ምድሪ ከይኽሰት ሃገራዊ ሓድነት ንምድሓን ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ቸለንቲን ማሰንጎ ኪንዳ ገሊጾም፣ ብኻልኣይ ደረጃ ናይ ሰሜን ይኹን ናይ ደቡብ ኪቩ ዜጋታት የሕዋት ደቂ ሓንቲ ሃገርን ምዃኖም ክርድኡን ምትሕብባር ንምንቕቓሕ ምዃኑ ገሊጾም።
እታ ናይ ኮንጐ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ብፁዓን ጳጳሳት ድርገት ኪንሻሳን ጎማን ቡካቩን ኣብቲ በቶም ዕጡቓት ሓይሊ ዝተትሓዘ ከባቢ እውን ከምዝበጽሔን ምስቶም ዕጡቓት ሓይሊ ንምርኽብ ዘይኮነስ ምስ ኵሎም ተመዛበልቲ ብቐረባ ንምርኻብ ዝኣመተ ተልእኾ ከምዝነበረን ቅድም ቀዳድም ኣብ ሩጽሁሩ እትረክብ ዓባይ ቤተ ክርስትያን ብምብጻሕ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምቕራብ ድሕሪ ቅዳሴ ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ርክብ ኣባላት ዕጡቓት ሓይሊ ሰላምታኦም ንምቕራብ ብድላዮም ዝተሳተፍሉን እቲ ዘካይድዎ ዘለዎ ውግእ፣ ማእከላይ መንግስቲ ዝኣተዎ ቓል ብዘይምኽባሩ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጹ ብፁዕነቶም ሓቢሮም፣ ኵነት ተመዛበልቲ ጽንኩርን ኢሰብኣውነት ዝተመልኦ ከምዝኾነን እቲ ሽግሮም ኣብ ሓጺር እዋን መፍትሒ ክርክብ እዩ ዝብል ግምት ከምዝነበረን ቀዳሊ ኮይኑ እነሆ ኣርባዕተ ወርሒ ሓሊፍዎ ኣሎ፣ እቲ ዘሎ ውጥረት ንምውጋድ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ኮንጐ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ክምዝምዙ ድላይ ዘለዎም ወጻእተይናታት ምሽምጋል ወሳኒ እዩ፣ እዚ እቲ ቀንዲ መፍትሒ ክረክብ ዝግብኦ ጉዳይ እዩ እዚ ጉዳይ መፍትሒ ክሳብ ዘይረኸ ግን ውጥርትን ስደትን ተኸሲቱ ዘሎ ኵነት ኢስብኣውነትን ንምውጋድ ዘይከኣል እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.