2012-09-25 18:05:19

ቃለ እግዚአብሔር ንምርዳእ ልብኻ ምኽፋት የድሊ፣


ብላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ ግጻዌ ናይ ትማሊ ወንጌል እንካብ ወንጌል ሉቃስ 8፡16-18 ኢዩ ተነቢቡ፣ “ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ይሰቕሎ እምበር፡ በቕሓ ዚኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዜንብሮ የልቦን። ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ዘይፍለጥን ናብ ግልጺ ዘይወጽእን ስዉር ከኣ የልቦን። እምብኣርከ ንዘለዎ ኺወሃቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ኻብኡ ኽትውሰድ እያ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ጌርኩም ከም እተሰምዑ ተተንቀቑ።” ይብል፣ ቅዱስነቶም ነዛ መደምደምታ ናይ ጥቅሲ “ከመይ ጌርኩም ከም እትሰም ዑ ተጠንቀቑ” እትብል ሓረግ ንክርስትያን እተመሓላልፎ መል እኽቲ አመልኪቶም ቃል እግዚአብሔር አብ ልብና ኪአቱ እሞ ኅልናና አብሪሁ ርድኢትና ብምዕባይ እምነትና ንምብሳል ምእንቲ ክሕግዘና ነቲ ጸሚሙ ዘሎ ልባትና ጸሊና ቃል አምላኽ ክንሰምዕ ከምዝግባአና ብዙሕ ጊዜ ምሂሮም፣ ቃል አምላኽ ተጠንቂቅካ ናይ ምስማዕን ምስትንታንን ሕቶ ብብዙሓት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ቅዱሳን መማህራን ትምህርቲ ንባበ መለኮትን ጳጳሳትን ፍሉይ አተኵሮ ዝተዋህበሉ ኢዩ፣ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እውን አብ ዝሓፍለፈ ዓመት ነዚ ጥቅሲ እዚ አመልኪቶም “ንቃል አምላኽ ብላዕሊ ላዕሊ ንሽ ዑ ዝሰም ዕዎ ግን ከአ ዘየቅልብሉን ዘይሕዝዎን አለው፣ ገሊኦም ከአ ንጌዜኡ ብስም ዒት ዝቅብለዎ ኮይኑ ግን ዘየጽን ዕዎ ድሕሪ ቍሩብ ጊዜ ከአ ብመሠረቱ ዝ ርስ ዕዎ አለው፣ ገሊኦም ከአ ብናይ ዓለም ነገራት ተዋሒጦም ወላእውን እንተሰም ዕዎ ጨሪሶም ዘየስተምህሉሉ አለው፣ ከም ጽቡቅ መሬት ነቲ ቃል ብጽቡቅ ተቀቢሎም ዚአክል ፍሬ ከምዘፍሪ ዝገብርዎ እውን አለው” ክብሉ ነቲ ምሳሌ ዘር እን ዘራ እን ዝህቦ ትምህርቲ አብሪሆም ነይሮም፣
ንሓደ ክርስትያን ቃል እግዚአብሔር ብሓቂ ብርሃን ኢዩ፣ ቃል አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ክርስትያን ጸልማት ኢዩ፣ አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ተገሊጹ ከምዘሎ ከአ እዚ ብርሃን እዚ ክትሓብዎ ወይ አብ ትሕቲ ከፈር ክተቀምጦ ዘይኮነ ንኩሉ ም እንቲ ከብርህ ሓፍ አብ ዝበለ ቦታ ክቅመጥ ዘለዎ ኢዩ፣ እዚ ቃል እዚ ንክርትያን መግቡ ኢዩ ብሓባር ዝምገቦ ምስ ማኅበረ ክርስትያን ብ አስተንትኖን ብምሥጢራትን እውን ብዝበለጸ ይምገቦ፣
“ሓቢርካ ቃል እግዚአብሔር ምስማዕ ማለት ነቲ ንልባትና አጽሚሙ ዘሎ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትናን አተሓሳስባታትናን መዝሒቍና አሊና ነቲ አብ ሓድነት እምነት ዝወስድ ጐዳና ክንክተል ይሕግዝ፣ እዚ ከአ አብቲ ሓባራዊ መአዲ ቃል አምላኽ ምስታፍ ማለት ኢዩ፣
ኮይኑ ግን ክርሳዕ ዘይብሉ ቃል አምላኽ ናይ ምርዳእ ተኽ እሎ እግዚአብሔር ዝህበና ጸጋ ኢዩ፣ ከምቲ አብ ወንጌል ሉቃስ ዝብሎ “ዘይግለጽ ምሥጢር የለን ዘይፍለጥን አብ ብርሃን ዘይወጽእን ኅᎄእ ነገር እውን የልቦን” ከምዝብሎ ናይቲ ተቀባሊ ልቢ ወይ ምሳሌ መሬት ኩነት ብዘየገድስ እቲ ዘርኢ ቃል አምላኽ አብ ናይ ኩሉ ጊዜ ቤተ ክርስትያን እናተዘር ኤ ኢዩ፣
“ቃል አምላኽ ብጋህዲ ክትምስክክሮን ክት እውጆን ዘሎካ ኢዩ ከመይ ብዘይ ምስክርነት ሕይወት ክት ርድኦን ክትአምኖን ስለጸግም፣”








All the contents on this site are copyrighted ©.