2012-09-22 14:46:53

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ገለጻ


ብዛዕባ እቲ ካብ ቫቲካን ብግለ ሰባት ብሕቡእ ክወጽእ ዝተገብረ ስቱር ናይ ቫቲካን ናይ ውሽጣዊ ርክባት ዝምልከቱ ውልቃዊ ሰነዳት ኣብ ልዕሊ ተሓተቲ ነበር ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ቤት ተሓጋጋዚ ፓውሎ ጋብሬለን ከምኡ እውን እቶም ሰነዳት ብሕቡእ ንምውጻእ ተግባር ዘተባብዑን ኣብቲ ተግባር ዝተሓባበሩ RealAudioMP3 ናይ መርበብ ሓበሬታ ኢደ ሙያተይና ክላውዲዮ ሻርፐለቲ ዝጀመሮ ፍርዲ ናይ ምሃብ መስርሕ ዝከታተል ናይ ቫቲካን መጋባእያ ቤት ፍርዲ መስርሕ ዕለት 29 መሰከረም 2012 ዓ.ም. ንጐሆ ሰዓት ትሸዓተን ፈረቓን ክኽፈት ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ንዝተኣከቡ ናይ ውሽጥን ወጻእን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከምዘመልከቱ እንክፍለጥ፣ እቲ ናይ ዕለት 29 መስከረም 2012 ዓ.ም. ዝካየደ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ቫቲካን ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ ተኸሰስቲ ዕለት 17 መስከረም 2012 ዓ.ም. ኣብ ቅድሚ ናይ ቫቲካን መጋባእያ ቤት ፍርዲ ዝቐረበሉ ኵነት መሰረት ዝገበረ ኰይኑ፣ ክልቲኦም ተኸሰስቲ ብጠበቓታቶም ተሰንዮም ኣብ ቅድሚ እቶም ሰለስተ ደያኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡን፣ ኣብዚ ቤት ፍርዳዊ ከይዲ ተኸሰስቲ ቃል መሰኻኽር ይሰማዓልና ክብሉን ወይ ድማ ብድብድቡ ውሳኔ ይወሃበና ናይ ምባል መሰሎም ክሓቱ ከምዝኽእሉ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፣ ኣቲ ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ናይ ገበን ኣጻራዪ ቤት ፍርዲ ደያኑ ፕሮፈሰር ቦነቲ ኣብ ቅድሚ ናይ ተኸሰስቲ ጠበቓታትን ኣሰራቲ ፍትሒ ፕሮፈሰር ፒካርዲ ዝሃብዎ ቀዳማይ ናይ ገበን መጻረይ ምርመራ ሰነድ ክምልከት እውን ምዃኑ ገሊጾ፣ ክሳብ ዕለት 26 መስከረም 2012 ዓ.ም. ናይ ተኸሰስቲ ጠበቓታታ ካልእ ዝስዕቡ መርትዖታት ከቕርቡ ዕድል ከምዘለዎን ኣመልኪቶም።
ናይ ቫቲካን ቤት ፍርዲ ደረት ማዕቅብ ማለት ናይቲ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ሓፈሻዊ ኰይኑ ክግለጽ ዝግብኣሉ ሰዓትን እዋንን ዝውስን መምርሒ ቫቲካን ውሑስ ክኸውን ዝብል መምርሒ ብምቕዳም እውን ሸሞንተ ጋዜጠይናታትን ነቲ ናይ ዕለት 29 መስከረም 2012 ዓ.ም. መጋባእያ ቤት ፍርዲ ክከታተልዎ ፍቓድ ከምእተውሃበ ኣባ ሎምባርዲ ብምምልካት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነዚ ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ዝተፈጸመ ጉዳይ ዘጻርይ ብሰለስተ ካርዲናላት ዘቐሙዎ ኣጻራዪ ድርገት ብወገኑ ናይ ዘካየዶ መርመራ ሰነድ ብምጥንቓቕ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምዘቕረበን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቀጻሊ ምጽራይ ክካይድ ሓድሽ ትእዛዝ እተዘይሃቡ ናይቲ ኣጻራዪ ካርዲናላዊ ድርገት ተልእዀ ተጠናቒቑ እዩ ክበሃል ይከኣል ኣንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠናቒቖም።







All the contents on this site are copyrighted ©.