2012-09-22 14:43:47

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ነፍሰ ኄር ብፁዕ ካርዲናል ባልደሊ “ኣብነት ናይ ውዕዉዕ ሓዋርያዊ ተገዳስነትን ወንጌላዊ ተኣማንነትን” ኢዮም


ካብ ወርሒ ጥሪ 2012 ዓ.ም. ናይ የሐዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ልኂቅ አቢይ ሓለቓ ብፁዕ ካርዲናል ፎርቱናቶ ባልደሊ ኣብ መበል 77 ዓመት ዕድመኦም ቅድሚ ትማሊ ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንስድራ ቤቶም ብዘመሓላልፍዎ RealAudioMP3 ናይ ሓዘን መግልጺ መልእኽቲ፦ “ነፍሰ ኄር ብፁዕ ካርዲናል ባልደሊ ኣብነት ናይ ውዕዉዕ ሓዋርያዊ ተገዳስነትን ወንጌላዊ ተኣማንነትን ነይሮም እንክብሉ ገሊጾም፣ “ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽነት ተመዲቦም ብዝሃብዎ ኣገልግሎት ዝገልጽዎን ዝነብርዎን ውዕዉዕ ሓዋርያዊ ተገዳስነትን ወንጌላዊ ተኣማንነትን ዝድነቑን ዝምስገኑን ኢዮም” እክብሉ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ከምእተማሕጸኑ ሓቢሩ፣ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ባልደሊ ስርዓት ቀብሪ ሎሚ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሹዱሽተ ናይ ምሸት ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተፈጸመ አመልኪቱ።
ብፁዕ ካርዲናል ባልደሊ ኣብ ክፍለ ሃገር ኡምብርያ ኣውራጃ ፐሩጃ ኣብ እትርከብ ከተማ ቫልፋብሪካ ዕለት 6 ነሓሰ 1935 ዓ.ም. ዝተወልዱን፣ ካብ 1966 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ኣገልግሎት ልኡኽነቶም ኣብ ኩባ ተመዲቦም ብምጅማር ቀጺሎም ኣብ ግብጺ ምስ ኣገልገሉ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዋና ጸሓፊ ጉዳይ ክፍሊ ተመዲቦም ድሕሪ ምግልጋል፣ ኣብ 1979 ዓ.ም. ኣብ ስትራስበርግ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛብን ኣብ 1983 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ውሳኔ መሠረት ኣብ ኣንጐላን መንበሩ ኣብ ኣንጐላ ዝኾነ ናይ ሳው ቶመን ፕሪንስፐ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ክኾኑ ተመዲቦም ክገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 1991 ዓ.ም. ናብ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ሓዋርያዊ ወኪልን፣ ንናይ ፑወርቶ ሪኮ ስዩመ ሓዋርያዊ ወኪል ኰይኖምን፣ ኣብ 1994 ዓ.ም. ኣብ ፐሩ ካብ ዕለት 19 ሰነ 1999 ዓ.ም. ድማ ኣብ ፈረንሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ኣብ መንጎ መንግሥቲ ፈረንሳን ቅድስት መንበርን ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ምትሕብባራትን ስምምዓትን ክረጋገጹ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበሩን፣ ነዚ ክሊኣዊ ዘተ ሓልዮ ኣብ 2002 ዓ.ም. ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ክፍሊ ዘቖሙ ምዃኖም እውን እንክምልከት፣ ብፁዕ ካርዲናል ባልደሊ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ኰይኖም ንኵላዊት ቤተ ክርስትያንን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘገልገሉ ወዲ ቤተ ክርስትያን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ፦ ዕለት 2 ሰነ 2009 ዓ.ም. ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ዓቢይ ሓለቓ ክዀኑ ተሸምዮም ዕለት 20 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ናይ ቤተ ክርስትያን ጉባኤ ካርዲናላት ኣባል ንኽኾኑ ብቕዱስነቶም ጳጳስ ሮማ ካብ ዝተሓርዩ ሓደ ኰይኖም ማዕርገ ካርዲናል ተቐቢሎም ኣብ ሮማ ከባቢ ኣቨንቲኖ ናይ ዝረክብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኣንሰልም ዲያቆናዊ መዝነት ለቢሶም ክሳብ ዝዓረፉላ ዕለት ከምዘገልገሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ድሕሪ ዕረፍቲ ብፁዕ ካርዲናል ባልደሊ ኣባላት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ናብ 205 ከምዝወረደን፣ ካብዚኣቶም ብፁዓን ካርዲናላት 116 ር.ሊ.ጳ. ንምምራጽ ናይ ተሳታፍነትን ምምራጽን መሰል ዘለዎም ክኾኑ እንከለዉ 89 ድማ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይ ምምራጽ መሰል ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ዘይሳተፉ ከምዝዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.