2012-09-20 13:14:32

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን
ኩለንተናዊ መእተውን መብርህን ሰነዳትን ውሳኔታትን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን


“ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መጻኢ፣ ሰነዳቱን፣ ንዳግመ ርኽበት ሃብትታቱ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘምርሔ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኩለንተናዊ መእተውን መብርህን ሰንዳትን ውሳኔታትን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተደርሰ ሓድሽ መጽሓፍ ትማሊ ኣብ RealAudioMP3 ራዲዮ ቫቲካን ሕንጻ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንንባብ ከምዝበቕዔ እንክፍለጥ፣ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ምልላይ ሓድሽ መጽሓፍ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይቲ ብቤት ማሕተም ኤፋታህ ተሓቲሙን ንንባብ ዝበቕዔ ቅጺ ሓላፊ ሉካ ሮላንዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ንመንእሰያትን ነቶም ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ፈጺሞም ኣፍልጦ ንዘይብሎም ኣሚቱን ብሓፈሻኡ መሰናደዊ ንግንዛቤ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ማለት ንሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብስሩዕ ንምንባቡ ዝድግፍ መእንተዊ ዘጠቓለለን ሰነዳቱን ብዝተፈላለዩ ናይ ስነ ቫቲካንን ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍን ሊጡርጊያን ሊቃውንቲ ትንታኔ ዝተነብረሉ ኰይኑ ዝተደርሰ ቅጺ እዩ። ኢሎም።
ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን 50 ዓመት ዘብዓለ እውን እንተዀነ ነቢያዊ ምልኣትን ሓይልን ብርቱዕ ጥልቂ መንፈሳውን ባህላውን ርእየት ዘለዎ ኣዚዩ ኣገዳስን ብፍላይ ንመንእሰያት ልዑል ኣድላይነት ከምዘለዎ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ሳልሳይ ሽሓዊ ዘመን ኣትርከብ ቤተ ክርስትያን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘለዎ ስፍራን ዝወሃቦ ምእኩል ባይታ እንታይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ሮላንዲ እንክምልሱ፦ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ እዋናዊት ቤተ ክርስትያን ዘለዎ ምእኩል ስፍራ ብርግጽ ዓቢይን ጥልቅን እዩ፣ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ዓለም ብዝተፈላለየ መዳያቱ ኣዚዩ ሰጒይሙ እዩ፣ ብዝሕ ለውጥታት ተኸሲቱ እዩ፣ ብርግጽ ቤተ ክርስትያን ዝኽተሎ ግዜ ካብቲ ሕብረተሰብ ዝኽተሎ ሕዉኽ ጊዜ ፍልይ ዝበለ እዩ። ሰለይ እናበለን ጽኑዕ ልልያ ዝስዕብን ዝሓለፈን ሎምን ዝምልከትም መጻኢ ዘማዕድውንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣናዊ ትምህርትን ናይ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ኣብ ሕብረተሰብን ጻውዒት ሓቆፍ እዩ። ኢሎም።
ንሓደ መንእሰይ እንታይነትን ትሕዝቶን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንምርዳእ፣ ቅድም ቀዳድም ይብሉ ሮላንዲ፦ “ታሪኻዊ ከይድን ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ መንበረ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንዓቢይ ጉባኤ ዝተራኸቡ 2,500 ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ጉባኤ ቫቲካን ዝገልጽ ብጽምጺ ርእየት ዝተቐርጸ ሰነድ ኣደጊፍካ ምቕራብን ናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘስምዕዎ ንልቢ ዅሉ ዝዛረብ ናይ መኽፈቲ ዘረባን ብምርኣይን ብምስማዕን ምጅማር ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.