2012-09-20 13:16:42

ኮንጐ፦ ምስፋሕ ዘይምርግጋእ
ናይ ኪላ ካሰንጋ ሊቀ ጳጳስ ኣብ ጎንጎ ስግኣት ምስፋሕ ዘይምርግጋእ ከምዘሎ ገሊጾም


ኣብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኵነት ዘይምርግጋእ ኣዚዩ ይሰፍሕ ከምዘሎን መንቀሊኡ ድማ እቲ ብ ኤም 32 ዝጽዋዕ ግጅለ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ዘይምርግጋእ ቅድም ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ኪቩ ዝተበገሰ ኵነት ከምዝነበረን እንተዀነ ግን እዚ ውጡር ሃዋሁ ናብ ካልኦት ክፍልታት’ታ ሃገር ይተኣታተው ከምዘሎ RealAudioMP3 ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ቀረባ እዋን ብዝባዕባ ህሉው ኵነታት ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዝተውሃበ ጸብጻብ ጠቒሱ ሓቢሩ።
ንኣብነት ኣብታ ንናይ ርእሰ ሉኣላውነት ዝብል ዕላማ ዝኽተል ጉጅለ ጥጡሕ ባይታ ተባህሉ ኣብ ዝንገረሉ ክፍሊ ሃገር ካታንጋ ምምሕዳር ናይታ ክፍለ ሃገር ካብታ ዘመሓድራ ክፍለ ሃገር ዘእትዎ ክፍሊት ግብሪ ጠቕላላ 40% ዝሽፍን ነቲ ክፍለ ሃገር ረብሓ ከውዕሎ ዝብል ውሳኔ ኣብ ግብሪ ብዘይምውዕሉ ኣብቲ ሕዝቢ ብዙሕ ቅሬታ የስዕብ ከምዘሎን እዚ ጥራሕ እውን ዘይኰነስ መዕርፎ ነፈርቲ ሉቡምባሺ ብዙሕ ጊዜ ዓመጽ ዝረኣየሉን ናይ ዜጋታት ሕይወት ንሞት ዝዳረጉሉ ስፍራ ኮይኑ ዝርአይ ብምዃኑን እዚን ካልኦት ጸገማትን ምኽንያታት ንምስፋሕ ምቅስቓስ ርእሰ ሉኣላውነት ዓቢ ድጋፍ ይዀኖን ኣብ ሕዝቢ እውን ተቐባልነቱ ክብ ክብሉ ይድርኽ ከምዘሎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝተፈላለዩ ናይታ ሃገር ምንጭታት ዜና መሰረት እንክሕብር፣ ናይ ኪላ ካሰንጋ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሙተባ ሙጋሉ እቲ ከባቢ ናይ ዓቢይ ውጥረትን ፍርሕን ዓመጽን የምርሕ ኣሎ እንክብሉ ዝገለጽዎ ስግኣት ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ብዙሓት ሕይወቶም ንምድሓን ኣብ ዱርን ጫካን ይሕብኡ ኣለዉ ከምዝበሉ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.