2012-09-20 17:24:04

ክርስትያንን አስላምን አንጻር ምፍልላይን ውግእን ሰሚሮም ክቃለሱ አለዎም፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 አብ ማእከላይ ምብራቅ አብ ሊባኖስ ካብ ዝገበርዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ተመሊሶም ትማል ሮቡዕ አብ አደራሽ ጳውሎስ 6ይ ዘቅረብዎ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ንሓዋርያዊ ዑደቶም ብዝምልከት ብሰፊሑ አብ ዝገለጸሉ ጊዜ “ክርስትያንን አስላምን ሓቢሮም ተጻይ ምምቅቃል ዓመጽን ውግእን ገርሀይናን ወሳንን ምስክርነት ክህቡ አለዎም” እንክብሉ ነቲ ናይ ሰላም መል እኽተኛ ኮይኖም ናይ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊት ዑደት ረስኒ ገና አብ ቦታኡ ከምዘሎ አተሓሳሲቦም፣ አብቲ ዝሃብዎ አስተምህሮ ነቲ ዝገበርዎ ጕዕዞ በብሓደ እናዘከሩ ሃገረ ሊባኖስ አብነት ናይ ውህደትን ሰላምን ንማእከላይ ምብራቅን ንመላእ ዓለምን ክትከውን ተማሕጺኖም፣
ቅዱስነቶም እዚ ሐዋርያዊ ጕዕዞ እዚ አብ ልቦም ዝገደፈሎም ዘይሃሥስ ዝኽሪ ብክልተ ነጥቢ ይገልጽ RealAudioMP3 ዏ፣ ብመጀመርያ ነቲ አብዚ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ሊባኖስ ዝገበርዎ በብሓደ ብምዝካር አብ ልቦም ዝገደፈሎም ዝኽሪ ካብቲ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ብአመንቲ ምስልምና ናይቲ ዓዲ ከይተረፈ ዝተገብረሎም ድሙቅ አቀባብላ ይዝክሩ፣
“አመንቲ ምስልማን በዓቢ ክብርን ገርሀይና ኃልዮትን ተቀቢሎምኒ፣ አብ ኩሉ እቲ ዝገበርክዎ ጕዕዞ በቀጻሊ ምስናዮምን አብ ኩሉ ምስታፎምን አብ መንጎ ክርስትናን ምስልናን ናይ ዘተን ምትሕብባርን መልእኽቲ ንከመሓላልፍ ምኽንያት ኮይኑኒ፣ ብኅብረት ተጻይ ምክፍፋልን ዓመጽን ውግ እን ቅኑዕን ወሳንን ምስክርነት ናይ ምሃብ ጊዜ በጺሑ ኢዩ ይመስለኒ” ብማለት ኅብረት ክርስትያንን አስላምን ናይ ሊባኖስ ብጋህዲ ከምዝረአይዎን ከምዘዕገቦምን ገሊጾም፣
ካልእ ብርቱዕ ዝኽሪ ዝገደፈሎም ዋሕዚ ናይ መን እሰያት ኢዩ፣ አብ ከባቢ መንበሪ ናይ ማሮናውያን ፓትርያርክ ንመንእሰያት ክረኽቡ አብ ዝኸዱሉ ዋሕዚ ናይቶም መንእሰያት ከምዚ ክብሉ ገለጽዎ፣
“ክርስትያንንን አስላምን መንእሰያት ብዓቢ ውህደት በዓል ክገብሩ ከለው ምስ ረአኹ ብሓባር ናይ ሊባኖስን ማእከላይ ምብራቅን መጻኢ ክሃንጹን ንዓመጽን ውግእን ክቃወሙን አበራቲዔዮም፣ ስምምዕን ዕርቅን ልዕሊ ግፍዒ ሞት ክሕይሉ አለዎም፣” ቢሎም ከምዝተላበውዎም ገሊጾም፣ ከምቲ ዕላማ ጕዕዞኦም እንክገልጹ ደጋጊሞም ዝበልዎ ነዞም መን እሰያት እውን ንሊባኖስ ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ማእከላይ ምሥራቅ ናይ ሰላም ተስፋ ከምዝኾኑ አውኪኦምሎም፣ ቅዱስነቶም ናይቲ ጕዕዞ ዕላማ እንገልጹ “ሽሕኳ ብዘይ መጠን አሸጋሪ ኩነታት ክቢቦም እንተለው ከምቲ አቦ ደቁ ዓቢ ጸገም ከጓንፎም እንከሎ አብ ጥቃኦም ክኸውን ዝግደድ አነውን ነዚ ጕዕዞ ካብ ነዊሕ ተመንይዮ፣ ነዚ ንኽገብር ዝደፋፋአኒ ነቲ ካብ ምውታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ መጀመርያ ዝሃቦም ጸጋ ሰላም “ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን ሰላመይ እህበኩም አሎኹ” ብማለት ዝሃበና ብሥራትን ማእከላይ ምብራቅ ከብጽሓ ሃረር ብማለት ኢዩ ነዚ ጕዕዞ እዚ ዝተመነኹ” ቢሎም፣
ነዚ ጕዕዞ እዚ እንክገልጹ ከአ “ብሓቂ ስም ዒትካ ዝቅስቅስ አጋጣሚ” እንክብሉ ነቲ አብዚ ከምዚ ዝበለ ጸገም ዝርከቡ ክርስትያን ዝሃብዎ ምስክርነት ብዓይኖም ክርእዩ ብኢዶም ክድህስሱ ምኽ አሎም ነቲ ክርስቶስ ንድሕነትና ዝተሳቀየሉ ቦታ ቅድስት መሬት ገና ቍስሊ ክርስቶስ ክር እዩ ከምዝ ኸአሉ ገሊጾም፣
“አብ ቅድሚ እዚ ሥቃያትን ድራማን ማእከላይ ምብራቅ ናይ ሰላም መልእኽቲ አብጺሔ አብ ጎኖም ከምዘሎኹ እውን ገሊጸሎም፣ ብሕልፊ ሲርያ ተሕልፎ ዘላ ሁከት ካብ አእምሮይ ምኻድ አብዩ ከመይ ሕይወት ብዙሓት ቀዚፉ ንብዙሓት ክስደዱ ገዲዱ ካብ ኩሉ ውህስነትን መጻኢን ናይታ ሃገር አማህሚኑ ከማኡ እውን ጽንኩር ኩነታት ኢራቅ አይርስዖን “ እንክብሉ ኩነታት ማእከላይ ምብራቅ ዝፈጥረሎም ስቃይ ገሊጾም፣
እቲ ቀንድን ካልአይን ጉዳይ ምፍራም ናይቲ ቤተ ክርስትያን አብ ማ እከላይ ምብራቅ ዝብል ድኅረ ሲኖዶሳዊ ሐዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ምዃኑ በዚ ከአ ንኩሎም ነዚ ዝስዕብ ዕድመ ከምዘቅረቡን ገሊጾም፣
“ንኩሎም ናይ ማእከላይ ምብራቅ ካቶሊካውያን ቈላሕታኦም ናብ ኢየሱስ ስቁል ክገብሩ ካብኡ ከአ ኃይሊ ከምዝረኽቡ ወላውን አብ ጽንኩርን ዘሳቅን ጊዜ ፍቅሪ አብ ልዕሊ ጽልኢ ምሕረት አብ ልዕሊ ሕነ ምፍዳይ ሓድነት አብ ልዕሊ ምፍልላይ ከምዝ ዕወት ክትርዩ ኢኹም፣ ወላውን ንኡስ መጓሰ እንተኾኑ ክፈርሁ የብሎምን ከመይ ጐይታ ወትሩ ምስኦም ኢዩ፣ ር.ሊ.ጳ እውን አይረሰዖምን” እንክብሉ ዘብጽሕዎ መል እኽትን ነዙይ ብምግባር ዝተሰመዖም ዕረፍቲ ኅልናን ብምግላጽ ትምህርቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.