2012-09-18 13:35:56

ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሊባኖስ ነታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ተስፋን ብርታዔን እዩ።


ኣብ ሊባኖስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት እኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መንበር ሐዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ሙኣዋድ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሊባኖስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 14 መስከረም ክሳብ ዕለት 16 መስከረም 2012 ዓ.ም. ዝፈጸምዎ መበል 24 ዓለም ሓቆፍ RealAudioMP3 ሓዋርያዊ ዑደት ኣመልኪቶም ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት “እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ፦ “ነታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትክረብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ተስፋን ብርታዔን እዩ” እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ካብ መላእ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብዝተዋጽኡ በሸሓት ዝቑጸሩ ምዕመናን ዘዕለቕለቕን ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሱታፌ 350 ሺሕ ምእመናንን ኣብ ብክርከ ምስ መንሰያት ኣብ ዘካይድዎ ርክብ፣ እቲ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ሃገራት ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ተባሂሉ ዝተሰምየ ርክብ፣ ሱታፌ ልዕሊ 25 ሺሕ መንሰያት ዝተራእየሉ ኃሴት ዝተመልኦ ተስፋን ቡራኬን ጸጋን ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ እዩ” እንክብሉ ይገልጽዎ።
ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዎም ኵላዊ ምትእስሳርን ተኣዝዞን ውህደትን ዘተቓልሕሉን ምእመናን ንኵላዊት ቤተ ክርስትያኖምን ንመራሒኣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዘለዎም ፍቕሪ ዝገለጽሉን፣ ኵላዊነት ቤተ ክርስትያን ዝተመስከረሉ ቅዱስ ኩነት ከምዝነበረ ብፁዕ ኣቡነ ሙኣዋድ ሓቢሮምን፣ እቲ ሓዋርያዊ ዑደት “ቤተ ክርስትያን ንዅሉ ፍጥረት ሰብ እተፍቅርን ኣደ ዅሉ ከምዝኾነት ዝመስከር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ልዑኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣመልኪቶም።
ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል ‘ሰላም ምስ ኵለ ኩም” ዝብል ከምዝነበረን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝፍፈጸምዎ ሓዋርያዊ ዑደት ሰላም ዘቃልሔን ኩሉ ከከም ጸዋዕታኡን መዝነቱን ምእንቲ ሰላም ክዕጠቕ ንማእከላይ ምብራቕ ጻውዒት ሰላም ዘቕረበን ሰላም ዝጸለየ ቅዱስ ኵነት ከምዝነበረ ብፁዕ ኣቡነ ሙኣዋድ ገሊጾም፣ ክርስቶስ ሰላመይ እህበኩም ኣለዅ ዝበሎ ቃል ሓቂ ዘድምዔን ዘቃልሔን እዩ። ናይ ማእከላይ ምብራቅ ሕዝብን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን ምስቶም ናይ ሰላም ሰብ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ሓዋርያዎ ዑደት ዝፈጸሙ ቅዱስ ኣቦና ሓቢሩ ምእንቲ ሰላም ጸልዩ እዩ። ቅዱስነቶም “ከም ናይ ሰላም ነጋድን ናይ እግዚኣብሔር ሰብን ብጻይ ኵሉ ዘርኢ ሰብን ናብ ማእከላይ ምብራቕ መጽኤ ኣለኹ” ዝበልዎ ቃል ብጭቡጥ ዘረጋገጸ ቅዱስ ኩነት እዩ ኔሩ ኢሎም።
ብፁዕ ኣቡነ ሙኣዋድ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ ርእሰ ብሔር ሱለይማን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ “ሰላም ንምርግጋጽ ምኽባር ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን መሰረት ከምዝኾነ ኣነጺሮም ኵሉ ናይ ማእከላይ ምብርቕ ዜጋ ሰላም ኣብ ምሕናጽን ሕንጸት ሃገርን ሕንጸት ማሕበራዊ ሕይወትን ከከም ጸዋዕታኡን መዝነቱን ዓቢይ ተራ ከምዘለዎን ካብ ሰላም ምሕናጽ ሓላፍነት ማንም ብዅር ክኸውን ከምዘይክእል ዕርቂ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ክረጋገጽ ሓደራ ከምዝበሉ ዘኪሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ከምዘጠቓለሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.