2012-09-17 17:02:42

ሐዋርያዊ ዑደት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብ ሊባኖስ;


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብ ማእከላይ ምብራቅ እትርከብ ሀገር አብ ሊባኖስ ንሰለሰተ መዓልቲ ሐዋርያዊ ዑደት ክገብሩ ዕለት 14 መስከረም 2012 ንግሆ ካብ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ከም ዝቀነሉን ቀትሪ በይሩት ራፊቅ ሐሪሪ መዕረፍ ነፈርቲ ከም ዝአተዉን ይፍለጥ፣ በይሩት ካብ ከተማ ሮማ 5.196 ኪሎሜትር ርሒቃ ከም ትርከብ ክምልከት ከሎ ድሕሪ ሰለስተ ሰዓትን 15 ደቃይቅን ብሰላም በይሩት አትዮም፣ አብ በይሩት ብናይ ማሮናዊት ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ በቸራ ቡጥሮስ ራይ ዝምርሑ ናይ ሃይማኖት መራሕትን ብፕረሲዳንት ሚሸል ሱለይማን ዝምርሑ ናይ መንግስቲ ላዕሎዎት ሰበ ስልጣናትን ነበነዲክቶስ መበል 16 ምዉቅ አቀባብላ ጌሮምሎም፣
ናይ ቫቲካንን ናይ ሊባኖስን ሀገራዊ መዛሙር ተሰሚዖም ምእንቲ ክብሮም ክአ 21 ግዜ ናይ መድፍዕ ድምጺ ተሰሚዑ፣ ናይ መንግስቲ ሊባኖስ መራሕ መንግስቲ ፕረሲዳንት ሚሸል ሱለይማን ብስምን መንግስቶምን ህዝብን ሊባኖስ ንቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ እንቃዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር አስሚዖም፣
ቅድስነቶም አብ ሊባኖስ ሐዋርያዊ ዑደት ክትገብሩ ምምጻእኩም የሐጉሰና በዚ አጋጣሚ”ዚ ክአ ማሕበረ ሰባት ሊባኖስ ነዚ ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ ብሀረርታ ይጽበይዎ ምንባሮምን ብምምጻእኩም ሕጉሳት ከም ዝኾኑን ክገልጸልኩም ይፈቱ፣ እዚ አብ ሊባኖስ ንሰለስተ መዓልቲ እተካይድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ንሊብኖስ ጥራሕ ዘይኮነስ ንማእከላይ ምብራቅ ምልክት ሰላምን ዕርቅን ከም ዝኾነ ይገልጸልኩም ፡ አብዚ አብ ሊባኖስ አብ ትጸንሕሉ ግዜ ክአ ጽቡቅ ክተሕልፍዎ ካብ ልቢ ይምንየልኩም ብማለት ፕረሲዳንት ሚሸል ሱለይማን መግለጺ ሂቦም፣
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብወገኖም ነቲ ፕረሲዳንት ሚሸል ሱለይማን ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዝገበርዎ ዲስኩር አመስጊኖም፡ መንግስትኹምን ናይ ሊባኖስ ጳጳሳትን አብ ሀገርኩም ሐውርያዊ ዑደት ንኽገብር ዝሀብኩምኒ ዕድል የመስግነኩም፣ አተሐሒዞም አብ ሊባኖስ ሐዋርያዊ ዑደት ንኽገብር ዘብቅዓኒ እግዚአብሔር የመስግን ፡ እዚ ሐዋርያዊ ሑደት”ዚ ነቲ ኣአብ ሞንጎ ቫቲካን አብ ሞንጎ መንግስቲ ሊባኖስን ዘሎ ታሪኻዊ ርክብ መሊሱ ከደልድሎ ተስፋ ይገብር፣ በቲ ሐደ ወገን ክአ ነቲ ንስኹም ክቡር ፕረሲዳንት ብ2008 ብ2011 አብ ቫቲካን ዝገበርኩምዎ ወግዓዊ ምብጻሕ መልሲ ክኸውን ይክእል ኢሎም፣ አብ ሞንጎ ሊባኖስን ወኪል ቅዱስ ጰጥሮስን ታሪኻዊን ጥልቅን ርክብ ከም ዘሎ ክአ ሐቢሮም፣ ቀጺሎም ፡አውራ ናይዚ ሐውርያዊ ዑደት”ዚ ናይ ማእከላይ ምብራቅ ጳጳሳት አብ ቫቲካን ዘካየውድዎ ሲኖዶስ ድህረ ሲኖዶስ ሐዋርያዊ ምዕዳን ንምፍራምን ነቶም ጳጳሳት ክረክብን ከም ዝኾነ ፍሉይ ኢዩ ኢሎም፣ እዚ ሐውርያዊ ምዕዳን”ዚ ነቶም ጳጳሳት መምርሒ ጉዕዞ ቤተ ክርስትያን ክኮኖም ተስፋ ይገብር ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት ፡ አብዚ ተረኺበ ምስ ኩሎም ማሕበረ ሰባት ክርስትያን ክጽሊ ሚስጢረ ቅድሴ ክፍጽም ዕድል ስለ ዝረኸቡ ክአ ደስ ይብለኒ ኢሎም፣ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ አብ ሊብኖስ ዝነበረ ሕማ ኩነታት ከም ዝዝከሮም ጠቂሶም ክአ አብዚ ግዜ”ዚ አብ ሊባኖስ ዝተፈላለየ እምነት ዝኽተሉ ማህበረ ሰባት ብሐባር ብሰላም ብስሚትን ብምትሕብባርን ክነብሩ ምርአይ ደስ ዝብልን ንኻልኦት ሀገራት አብነት ክኸውን ዝክእልን ከም ዝኾነ ገሊጾም፣
ብድሕሪ”ዚ ምስ ፕረሲደንት ሚሸል ሱለይማን ብብሕቲ ንሐጺር ግዜ ተዘራሪቦም ናብቲ አብ ሀሪሳ ዝርከብ ቤተ ጵጵስና ተጓዒዞም፣ አብዚ ድሕሪ መደበ ምሳሕን ሐጺር ዕረፍትን ክአ ናብቲ አብ ከተማ ሀሪሳ ዝርከብ ግሪክ መልቂጣ ካተድራል ቅዱስ ጳውሎስ ተጓዒዞም ምስ ጳጳሳትን ፓትርያርካትን ማእከላይ ምብራቅ ተራኺቦም ነቲ ሐዋርያዊ ምዕዳን ፈሪሞም፣
ሰዓት ሾሞንተ ብናይ ሊባኖስ ሰዓት አቆጻጽራ ክአ ምሕዳሮም ንቤተ ጵጵስና ሀሪሳ ተመሊሶም፣
ዕለት 15 መስከረም 2012 ንግሆ ሰዓት ሾመንተ አብ ቤተ ጵጵስና ሃሪሳ ብብሕቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ፈጺሞም፣ ድሕሪ ቅዳሴ ናብ ባዓብዳ ቤተ መንግስቲ ተጓዒዞም ንፕረሲዳንት ሚሸል ሱለይማን ምስ ቤተ ሰቦም ናይ ክብሪ ምብጻሕ ጌሮም፣ አብኡ ክአ ምስ ፕረሲዳንት ሚሸል ሱለይማን ብብሕቲ ተመያይጦም ገጸ በረከት ክአ ተለዋዊጦም፣ በቶም አብ በይሩት ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ራድዮ ቫቲካን ዝልአኽዎ ዜና መሠረት ቅዱስ ኣአቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ድሕሪ ምስ ፕረሲዳንት ሚሸል ሱለይማን ምርኻቦም ምስ ናይ ሊባኖስ ፓርላማ ፕረሲዳንት ናቢህ በሪን ምስ ፕረሲዳንት ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ናጂብ ሚቃቲን ተራኺቦም ተዘራሪቦም፣ በቲ ጸብጻብ ጋዜጠኛታት ራድዮ ቫቲካን መሠረት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳፓሳት በነዲክቶስ ንላዕሎዎት ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ሊባኖስን ንወኪላት ማሕበረ ሰብ አስላምን ቅዳሕ ናይቲ ሐዋርያዊ ምዕዳን አረኪቦሞም፣
በነዲክቶስ መበል 16 አብ አዳራሽ ቤተ መንግስቲ በዓብዳ ምስ ናይ ዲፕሎምሲ ሰባት ምስ ናይ ሃይማኖታት መራሕቲን ምስ ናይ ሲቪልን ባህልን ወኪላት ተራኺቦም ተዘራሪቦም፣ ብድሕሪ”ዚ ክአ ናብቲ ቦዝማር ዝተባህለ ሐሙሽተ ኪሎሜር ርሕቀት ዘለዎ ቦታ ተጋዒዞም ምስ ካቶሊካዊ አርመን ፓትርያርክ ነርሰስ በፍሮስ ታርሙኒ ተራኺቦም ተዘራሪቦም፣
ሰዓት ሐደን ርብዕን ክአ ምስ ኩሎም ጳጳስትን ፓትርያርካትን ማእከላይ ምብራቅ ምስ መስነይቶ ሥርዓተ ምሳሕ ምስ ፈጸሙ ናብ ቤተ ጵጵስና ሃሪሳ ተመሊሶም፡ ብድሕሪኡ ንቤተ ብትርክና ብከርከ ከም ዝተጓዙ ተፈሊጡ አሎ፣ አጋ ምሸት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 አብኡ ኣአብ ብከርከ ምስ መንእስያት ማእከላይ ምብራቅ ተራኺቦም ብሐባር ብቋንቋ ዓረብን ፍረንሳን ጸልዮም፣ መንእሰያት ማእከላይ ምብራቅ ከይሰለከዩ ንሰላምን ንርግአትን ንፍትሕን ክፅዕሩ ክአ ቅዱስ አቦን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት ማእከላይ ምብራቅ አተሐሳሲቦሞም፣ ዝኾነ ይኹን እምነት መሳርሒ ፖሊቲካ ክኸውን ከም ዘይብሉ ሃይማኖት ምኽንያት ብምግባር ህውከትን ዕግርግርን ክካየድ ከም ዘይብሉ ብመሠረቱን ብባህሪኡን እምነተ ሃይማኖት መሳርሒ ሰላም ዕርቂን ፍትሕን ከም ዝኾነ ገሊጾም፣
ምስ ምንእሰያት ሀገራት ማእከላይ ምብራቅ ምርኻቦም ልዑል ሐጎስ ከም ዝስምዖም ክአ አገንዚቦም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ክሰፍን ቤተ ክርስትያን ዝክአላ ኹሉ ክትገብር ስንድውቲ ከም ዝኾነት ጠቂሶም፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ነዚ አብ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰፊኑ ዘሎ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ነባር ፍታሕ ክረኽበሉ ክአ ተማሕጺኖም፣
ድሕሪ ርክብ ምስ መንእሰያት አምስይኦም ናብቲ አዕሪፎምሉ ዘለዉ ቦታ ንቤተ ጵጵስና ሀሪሳ ተመሊሶም ሥርዓተ ድራር ፈጺሞም በዚ ክአ ናይ ሎሚ ሐዋርያዊ ዑደቶም ኣአብ ሊባኖስ ተዛዚሙ ፣
ሰንበት 16 መስከረም ሰዓት 10 አብቲ አብ በይሩት ዝርከብ ሲቲ ሰንተር ዎተር ፍሮንት ዝተባህለ ቅርዓት ል ዕሊ 350 ሺሕ ዝኾኑ ምእመናን አብ ዝርከብሉ ሥርዓተ ቅዳሴ አዕሪጎም፣ ሐውርያዊ ምዕዳን ከአ ንጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ አረኪቦም፣ ፍርቂ መዓልቲ ምስቲ ቅዳሴ ዝሰምዔ ህዝቢ ሐቢሮም መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት ደጊሞም፣ ድሕሪ”ዞ ንሀሪሳ ቤተ ጵጵስና ተምሊሶም ሥርዓተ ምሳሕ ከም ዝፈጸሙን ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሐሙሽተ ካብ ቤተ ሀሪሳ ቤተ ጵጵስና ተስናቢቶም ናብ መንበረ ፓትርያሪክ ዘአንጾኪያ ሸርፈ ከይዶም ምስ ፓትርያርክ ኢግናስ ዩሱስ ዩናን ብብሕቲ ተመያዪጦም፣ካብዚ ናብ ሀገራት ሐቆፍ አውርፕላን መዕረፊ ራፊቅ ሐሪሪ ምስ ናይ ሃይምኖታውያን መንግስትን ሰበ ስልጣናት ተሰናቢቶም ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ሰዓት 9.40 ናይ ምሸት ብሰላም ሮማ አርዮም፣







All the contents on this site are copyrighted ©.