2012-09-15 14:52:42

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ “ኣኽራርነት ጥውያ ሓቂ ሃይማኖት እዩ”


ቅድም ከብል ከምእተገልጸ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንመበል 24 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደቶትም ዕለት 14 መሰከረም 2012 ዓ.ም. ኣብ ዝነቕሉላ ነፋሪት ከምቲ ልሙድ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፦ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዝዮም ዓበይትን ኣገደስትን ንዝበሃሉ ርእሰ ጉዳያት ብፍላይ ድማ RealAudioMP3 ዘተ ምስ ሃይማኖት ምስልምናን ብዛዕባ ጽድያ ሃገራት ዓረብን ጽንኵር ኩነት ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ሶሪያን ከባቢ ሃገራት ሜዲትራኒያንን፣ ነዞም ኣብ ጽንኵር ኩነት ዝርከቡ ማኅበረ ክርስትያን ካብ ቤተ ክርስትያንን ካብ ማሕበረሰብ ካቶሊካውያን ምዕራብ ሃገራትን ዝቐርበሎም ሓገዝ ዝብሉ ነጥብታት ከምዝዳህሰሱ ነቲ ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ ዝተኻተታላ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።
ቅዱስነቶም ቅድም ቀዳድም ነቲ ናብ ሊባኖስ ዝወሰንዎ መበል 24 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደቶም ክስርዙ ሓሲቦም ዶ ኔሮም ንዝብል ካብ ሓደ ፈረንሳውን ሓደ ኢጣልያውን ጋዜጠይና ንዝቐረበሎም ሕቶ “ካብ ማንም ሰብ ምስራዝ ዝብል ከም ሓሳብ ኣይቀረበለይን እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ምልክት ሕውነትን ምትብባዕን ምትሕብባርን ምዃኑ ስለ ዝኣመንኵሉን ገዛእ ርእሰይ እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ምስራዝ ዝብል ግምት እውን ኣየስተንተንኵሉን” እንክብሉ መሊሶም፣ ዕላማ ሓዋርያዊ ዑደቶም እንከነጽሩ፦ “ምልክት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓባራዊ ዘተ እዩ። ስለዚ ኵሉ ንሓባራዊ ዘተን ኣክንዲ ዓመጽ ሰላምን ብሓባር ነቶም ዓበይቲ ጸገማት መሚኻ ናይ ሓባር ፍታሕ ንምቕራብ ምዕዳም ዝብል እዩ”፣ ኣብዚ ኣኽራርነት ኣዚዩ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ዘተ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ኣቃልቦ ዝሓትት ትእዛዛዊ ሕቶ ድዩ ዝብል ካብ ሓደ ጋዜጠይና ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፦ “ሃይማኖት ናይ እግዚኣብሔር ሰላም ንምፍስፋሕ ዝዕድም እዩ። ስለዚ ብመሰረቱ ኣኽራርነት ናይዚ ሓቀይና ባህርይ ሃይማኖት ጥውያ ሓቂ እዩ። ናይ ቤተ ክርስትያንን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ህርኵት ጻዕሪ ድማ እቲ ጥውያ ሓቀይና ባህርይ ሃይማኖት ምቅላዕን ሃይማኖት ካብዚ ዓይነት ፈተና ምንጻሕን፣ ኵሉ ቅኑዕን ግልጽን ዝኾነ ምስሊ እግዚኣብሔር መታን ክህልዎ ሕልና ዘብርህ እዩ። ኩሉ ሰብ ምስሊ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዘኽብር ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ክህሉ ይዕድም። ኢሎም።
ብዛዕባ ጽድያ የዕራብ ሃገራት እንከስተንትኑ“ብዘይ ምቅብባልን ምጽውዋርን ሓቀይና ነጻነት ክህሉ ከምዘይክእል” ገሊጾም፣ “ኣብ ከባቢ ሃገራት ዓረብ ማሕበረ ክርስትያን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ብምዃኖም ብዙሕ እዋን ህልውናኦም ንሓደጋ ተቓሊዑ እዩ ዝርአይ” ምስ በሉ ኣብቲ ከባቢ ንኹሉ ዝሓቁፍ ዴሞክራስን ነጻነትን ምትሕብባርን ክህሉን እዚ ንገዛእ ርእሱ ጐዳና ምዕባለ እውን እዩ። እዚ ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ብሕግን ስርዓትን ብስሩዕነት ዝኽበር ድላይን ትእዛዝን ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም። “ናይ ነጻነት ኣምርን ድላይ ነጻነትን ብቕኑዕን ትኽክለይናን ኣንፈት ክኸይድን ንሓቀይና ነጻነት መሠረት ዝኾኑ ረቛሒታት ዝበሃሉ ምክብባርን ምቅብባል ዝዓሰሎ ምጽውዋርን ዕርቅን ዘይዝንግዕ ክኸውን ኣለዎ።
ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሶሪያ ኣመልኪቶም እንክምልሱ፦ “ውግእን ዓመጽን ደው ንምባልን ንምውጋድን ሰብኣውን ንዋታውን ድጋፍ ዝዓሰሎ ተግባራት መሠረት ኵሉ ክንቀሳቐስ ይግባእ። ካብቲ ከባቢ ማሕበረ ክርስያን ክወጽእን ንክርስትያን ኰነ ናይ ሃይማኖት ሰዓብቲ ዜጋታት ሓደጋ ምዝንባል የጋጥም ኣሎ፣ ብቕዑን ግቡእን ደገፍ ብምቕራብ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዓምጽ ምውጋድ የድሊ። ኣብዚ መዳይ ተራ ቤተ ክርስትያን መልእኽቲ ሰላም ምብሳርን ዓመጽ መፍትሒ ከምዘይኰነ ምሕባርን እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ እውን ተራ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዓቢ እዩ። ስለዚ እቲ ዓቢይ ሓጢኣት ዝበሃል ምቕራብ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዘይኰነስ ሓደስቲ ሓሳባትን ሰላምን ብቕዓት እወታዊ ምህዞን ንኻልእ ከም ገዛእ ርእሱ ምቕባልን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ናይ ኵለን ዝተፈላለላየ ሃይማኖታት ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ሰብ ፍጥረት እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ በዚ መሠረት’ዚ ድማ ሰብኣውነቱ ክኽበርን ፍቕሪ ብጻይ መሰረታዊ ረቛሒ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ምቕራብ እዩ” ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ደገፍ ምዕራብ ሃገራት ነሕዋት ዜጋታት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝብል ሓሳብ ተማእኪሉ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፣ ኣድላይነት ኣስተዋጽኦ ኵሉ ኣዘኻኺሮም “ሕዝባዊ ርእይቶ ዝትንክፍ እሞ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣውን ብሓቂ ብምሉእ ዓቅምን ሓይልን ክእለትን ምእንቲ ሰላም ደው ክብሉ ይግባእ። ከም ሓሳብ ጥራሕ ዘይኰነስ ብምትሕብባርን ናይ ሓባር ጸሎትን ብዝብሉ ብጭቡጥ ተግባራት ክስነ ኣንከሎ ትርጉም ይህልዎ። ኣብዚ መዳይ ቤተ ክርስትያን ንዅሉ ብምጥንቓቕን ሓደራ ብምባልን ብመዳይ ሕንጸትን ኵሉ ክነጽሕን እናስተምሃረት ምእንቲ ሰላም ትዓዪ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቸራዞ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.