2012-09-13 14:02:11

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ፦ ጽልኢ ካብ እግዚኣብሔር ኣይኰነን


ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ብቅዱስ ኤጂዲያ ማሕበረሰብ ዝዳለው መደብ ናይ ኣሕዛብ ርክባት ለብዘበን ኣብ ሳራየቮ ከምእተኻየደ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ቅድሚ ትማሊ ዝተጠቓለለ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት RealAudioMP3 መራሕትን ዓበይት ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ምሁራትን ዘራኽብ ኣብ ህልውን ሕጹጽን ማሕበራዊ ብድሆ ኣማእኪሉ ዝዝትይ ናይ ሰለስተ መዓልቲ መደብ ብቐረባ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ኣብ ዘመሓላለፈኦ ጸብጻብ፣ እቲ ብዓሌታውን ሃይማኖታውን ጽልኢ ምኽንያት ዝደመየት እቲ ናይ ኣሲዚ መንፈስ ክዓስላን ናይ ዘተን ሰላምን ምክብባርን ባልን፣ ሰላም ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታትን ሃይማኖታትን ክህሉ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ነጻነትን ፍልልይ ባይታ መራኸቢ እምበር መሰረት ጽልእን ዓመጽን ክኸውን ከምዘይብሉ ዝቃልሓላ ከተማ ክትኸውንን ጽልእን ዓመጽን ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ከምዘይኰነ ዝመስከረ መደብ ናይ ኣሕዛብ ርክባት ከምዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ዝዀነ ይዅን ፍልልያት መሰረት ውግእን ጽልእን ዘይኮነስ ንምልላይን ተላሊኻ ብሓባር ንምባር ዝድርኽ ክኸውን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ሓሳብ ኣብቲ ጉባኤ ርክባት ኣሕዛብ ዘረባ ዘስምዑ ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ዝነበሩን ምኽትል ናይ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ሮጀር ኤትቸጋራይ ከምዝጠቐሱን፣ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ማሕበር መስራቲ ናይ ኢጣሊያ ማሕበራዊ ምትሕብባርን ውህደትን ጉዳይ ሚኒስትር ኣንድረያ ሪካርዲ ናይ ሳራየቮ መጻኢ ንኤውሮጳ ዝምልከት ከምዝኾነ እንከመልክቱ፣ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ቤተሰብ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር መንፈሳዊ መራሒ ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፓሊያ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት፣ ቦዝኒያ ብፍላይ ድማ ሳራየቮ እቲ ኣዚዩ ናይ ኤውሮጳ ስንኩፍ ከባቢ እዩ፣ ምእንቲ’ዚ እዚ ብቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበረሰብ ዝዳለው ጉባኤ ርክባት ኣሕዛብ ለብዘበን 2012 ዓ.ም. ኣብ ሳራየቮ ክካየድ ምውሳኑ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ መጸውዒ ሰላምን ምክብባርን እዩ። ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ክዝትዩ ምርኣይ ዘይርሳዕ ርእየት ሰላምን ምልክት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ ቦዝኒያ ዘሎ ባህላውን ሃይማኖታውን ዓሌታውን ፍልልይ ኣብ መንጐ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ዘይኰነስ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኻት እዩ ዝቃላሕ ዘሎ፣ እዚ እዩ ድማ ንሕድ ሕዳዊ ግጭት ዝድርኽ፣ ምእንቲ’ዚ ፖለቲካ ብፍላይ ድማ ናይ ፖሊቲካ ኣካላት ናይ ሰላም መሳርሒ ኰይኖም ብጥበብ ሕዝቢ ክመርሑ ይግብኦም ስለዚህ እቲ ዘሎ ፍልልይ መጋበርያ ንውልቃዊ ረብሓኦም ክጥቀምሉ ዓቢይ ጌጋ እዩ። ሰላማዊ ናይ ኣሕዛብ ርክባትን ሓባራዊ ናብራን ኣብ ውሽጢ ሓጹር ሓንቲ ሃገር ዘይኮነስ ዶብ ሰገር ሃገራት ዝረጋገጽ ክኸውን ከምዘለዎ ዘቃልሔ ጉባኤ እዩ ኔሩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.