2012-09-13 12:33:26

ር.ሊ.ጳ ናብ ሊባኖስ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንሰላም ዘደንፍዕ ክኸውን ጸልዩ ቢሎም፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ አብ አደራሽ ጳውሎስ 6ይ ዝገብርዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርቶስ “ሽሕኳ ፍልልያትን ግጭትን ዝዓብለሎ ከባቢ እንተኾነ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ንሰላም ዘደንፍዕ ክኸውን ብጸሎት ክተሰንዩኒ እላቦ” እንክብሉ ነቲ ጽባሕ ዓርቢ ዕለት 14 መስከረም 2012 ዓምፈ ዝጅምር ሐዋርያዊ ምብጻሕ ሊባኖስ ዕውት ምእንቲ ክኸውን ልዕሊ ኩሉ እቲ ንሃገራት ማእከላይ ምብራቅ ሓዊጹ ዘሎ ፍልልያትን ግጭትን ዘህድእን ዘወግድን ክኸውን ዘለዎም ምንዮት እንክገልጹ በቲ ኩነታት ዘለዎም ስክፍታን ኃልዮትን ልዕሊ ኩሉ ግን አብ እግዚብሔር ዘለዎም እምነትን ተስፋን ብምግላጽ ኩሎም ም እመናን ብጸሎት ከሰንይዎም ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም፣
“ነዙይ ድሮ አትዩ ዘሎ ናብ ሊባኖስ ክገብሮ ዘሎኒ ሐዋርያዊ ጉ ዕዞ ብጸሎት ክተሰንዩኒ ክላቦ እደሊ፣ አብዚ ምብጻሕ እዚ ናይ ማእከላይ ምብራቅ ድኅረ ሲኖዶሳዊ ም ዕዳን ከረክብ ኢየ፣ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ነቶም አባኡ ዝርከቡ ክርስትያን ንሰላምን ሕውነትን ናይቲ ዞባ ብምሉኡ ንኸደንፍዑ መተባቢዒ ይኹኑ”
ቅዱስነቶም አብ ፍጻሜ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርቶስ ብቋንቋ ጣልያን ነቶም ካብ መላእ ሃገረ ጣልያን ብጉጅለን ብግልን ብጉጅለን ንዝተአከቡ ምስጋናን ሰላምታን አብ ዘቅረቡሉ ጊዜ ኢዩ ነሩ፣ ቀጺሎም ብቋንቋ ፈረንሳ አብ ዝሃብዎ ናይ ምስጋና ቃል ከአ ናብ ሊባኖስ አብ ዝገብርዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ምስ ብዙሓት ናይ ሊባኖስ ማኅበረሰብ ናይ ቤተ ክርስትያንንን ቤተ መንግሥትን ሰበሥልጣን ከማኡ እውን ምስ ዝተፈላለየ ሥርዓተ አምልኾ ዘለዎም ካቶሊካውያንን ካልኦት ክርትያንን አመንቲ ምስልምናን ክፍሊ ድሩሲ አስላምን ክራኸብ ኢየ፣ ክንድዚ ዝብዝሖም ብሰላምን ብነባሪ ዕርቅን እንተነቢሮም ጥራይ ኢዮም ከም ሃብቲ ክቅጽሉ ዝኽ እሉ ስለዚ እዚ ከአ ንጐይታ አመስግን፣ እንክብሉ ስለኩሉ ነገር እግዚብሔር እንከመስግኑ ብፍላይ ከአ ኅልውና ማኅበረ ክርስትያን አብዚ ዞባዚ ዓቢ ጸጋ ምዃኑን ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ ከአ ሃይማኖትም ከደልድሉ ከምዘለዎም አዘኻኺሮም፣ ውህደትን ሓድነትን ናይ ኩሎም ም እንቲ ክረጋገጽ ማኅበረ ክርስትያን ናይዚ ዞባዚ ንክርስቶስ አብዚ ቅዱስ መሬት ምምስካር ክቅጽሉ አተባቦዖም፣ እዚ ጉ ዕዞ እዚ ንክሳለጥ በብወገኖም አበርክቶ ንዝገበሩ ግለሰባትን ማኅበራትን ብሕልፊ አብ ማእከላይ ምብራቅ ዝርከቡ ንዘተ ሃይማኖታትን ባህልታትን ዓቢ አበርክቶ ብምግባር ስኒትን ውህደትን ንክርከብን ጥጡሕ መንገዲ ክፍጠርን ዝተዋስ ኡ ማኅበረ ክርስትያን ብምምስጋን ነዚ ዞባ እዚ ንኩሉ ፍልልያት ብምውኃድ እግዚአብሔር ነታ ብዙሕ ሃረር እንብላ ሰላም ንክህባ ንለምን እግዚአብሔር ንሊባኖስን ማእከላይ ምብራቅን ይባርኽ፣ እንክብሉ ቡራኬኦም ሂሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.