2012-09-13 13:55:51

ሃይማኖትን ናይ ሃይማኖት መጻሕፍትን ምልክታትን ምኽባር ንሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ መበገሲ እዩ


ጸረ ሃይማኖት ምስልምና እዩ ተባሂሉ ዝግመት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተደሪሱን ዝተቐርጸን ምርኢት ኣመርኵይዞም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ RealAudioMP3 ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ “ሃይማኖትን ናይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት መጻሕፍትን ምልክታትን ዓበይቲ ኣካላትን ብጥልቒ ምኽባር ንናይ ሕዝብታት ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ መሰረታዊ መበገሲ እዩ” ዝብል ትርጉም ዘንበርሉ ወግዓዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይቲ ቅቡል ምኽንያት ዘይብሉ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ ስምዒት ዘጥቅዕን ዘቝጥዕን ጸረ ሃይማኖት ምስልምና እዩ ዝብል ግምት ዝወሃበሉ ዘሎ ዝተቐርጸ ምርኢት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ርክባት ዘስዓቦን ዘስዕቦ ዘሎ ቅልውላውን ከቢድ መጉዳእትን ዘስዓቦ ውጥረትን ጽልእን ተቐባልነት ንዘይብሉ ዓመጽ ይድርኽ ኣሎ፣ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንናይ ሊባኖስ መበል 24 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደቶም ምኽንያት ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዘተን ምክብባርን ክህሉ ኣብ ዝብሉ ቅዉም ሓሳብ ዘማእከል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሶም፣ ቅዱስነቶም ኩሉ ብሓባር ንሓባራዊ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሕዝብታትን ሰላማዊ ናብራ ሕንጸት ክውንነት ክስዕቦ ዝግብኦ መገዲ ይሕብሩ እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ የጠቓልሉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.