2012-09-13 13:59:31

Il Cortile dei Gentili ደንበ ኣሕዛብ፦ ዓለም ምስ ወይ ብዘይ እግዚኣብሔር


ዘተ ምስ ኢኣማንያን ዘነቓቕሕ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝሓንጸጾ መደብ ዓወደ መጽናዕቲ ብምቕጻል ንኽልተ መዓልቲ ዝካየድ “ዓለም ምስ ወይ ብዘይ እግዚኣብሔር” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ RealAudioMP3 ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ሎሚ ከምእተጀመረ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ እንከመልክት፣ ንፈለማ ግዜ ኣብታ ሉተራናዊትን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝለዓለ ስነ ምግባርን ትምህርትን ኣብ ሃይማኖት ኪምርኰስ የብሉን ዝብል ሃይማኖት ዘግልል ኣረኣያ ዓለማውነት ኣዚዩ ኣብ ዘስፍሓላ ሃገረ ስዊድን “ዓለም ምስ ወይ ብዘይ እግዚኣብሔ” ኣብ ዝብል ዓሚዩቕ ርእሰ ጉዳይ ዝተማእከል ዓውደ መጽናዕቲ ክካየድ ንፈለማ ጊዜ ምዃኑን እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ስቶኮልም ኣብ ዝርከብ ንጉሳዊ ናይ ስነ ምርምርን መንበረ ጥበብን ኣብቲ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝዓበየ ተባሂሉ ዝንገረሉ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ መንሰያት ሕንጸት ሓልዮ ፍርይሹሰት ንመንእሰያት ናይ ማሕበራዊ ውጥናትን ስነ ሕንጸትን ማእከልን ዝካየድ ምዃኑ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃል ምልልስ ዝገበሩ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ገሊጾም፣ ሉተራናዊ ዓለም መንግስትን ሃይማኖትን ዘውድን መንበረ ታቦትን ዘራኽብ ባህሊ ዝንጸባረቐሉ ውዑውዕ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግን ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ባህሊ ለውጢ ውሒጥዎ ኣብ ዓቢ ቅልውላው እዩ ዝርከብ ዘሎ፣ ነዚ ጉዳይ ብተመክሮ እምነት መሚኻ ክትርእዮ ዝስሕብ ከምዝኾነን፣ እምነት ከም ጥንቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝንበር እናዀነ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
እዚ ኵነት ዓለማውነት’ዚ ብድሆ እዩ ቢሎም ኣብ ስዊድን ዝርከብ ናይ ኖበል ሽልማት ዝወሃበሉ ዓለማዊ ንጉሳዊ ናይ ስነ ምርምር መንበረ ጥበብ ሓደ ካርዲናል ክኣትውን ኣስተምህሮ ከቕርብን ፈለማ እዩ። እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘይ ምእማንን ብሓጺሩ ብኢኣማንያን ዝንጸባረቕ ኢእግዚኣብሔርነት ባህሊ ናብ እምነት ክመርሕ ዝኽእል ተኽእሎን ዑቑር ሓይሉን ዘነጽር ዓሚዩቕ ዓውደ መጽናዕቲ እዩ። ናይ ካልኦት እምነትን ሃይማኖትን ዘኽብሩ ክነሶም ኣብ ኢእግዚኣብሔርነት ባህሊ ዝኣምኑ ናይ ዘይምእማኖም ማእከላዊ ስነ ሓሳብ ዝገልጽሉን ኣመንቲ ምኽንያት ምእማኖም ዘቃልሕሉ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ እውን ዘማእከለ ማዕረ ማዕረ ደንበ መንእሰያት ይካይድ ከምዘሎን ኣብ ሉንድን ኣፕሳላን ዝርከቡ ዓበይቲ ጥንታውያን ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ክበጽሑ ምዃኖም ሓቢሮም ብዛዕባ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝዝትይ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋዜማ ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ዝካየድ መደብ ደንበ ኣሕዛብ ከምእተሓንጸጸ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.