2012-09-11 15:21:14

ሐዲስ ዓመት


ዓመት ተወዲኡ ዓመት ክትካእ እንከሎ ፍሉይ ጊዜ ሂብና አብ ቅድሚ ሰማያዊ አምላኽና ርእስና ከነቕርብ እሞ ጸብጻብ ሕይወትና ክንገብር እዩ ሎሚ ዝድለ። አምላኽ አብዚአ ዓመት ዝተፈላለየ ህያባቱ ሂቡና እዩ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝጽግመና ነቲ ዝተወሃብናዮ ወይ ርኢና አይንኽእልን ወይ ከአ ንርስዖ እሞ ከምዘይ ተወሃብና ከምዘይ ተገብረልና ኮና ንርከብ። ልብና አውዲቕና ጽን እንተበልና ግና ተዋሂብና ኢና። ንድሕሪት ቁልሕ ኢልና አብዛ እትውዳእ ዘላ ዓመት ዝገበርናዮ ዝወደቕናዮ ወላ እውን አብ ሕይወትና ዝገበርናዮ አውንታውን አሉታውን ነገራት ጸብጻብ ክንገብር እሞ ንዝወደቕናዮ ክንስሓሉን እቕረታ ኽንሓተሉን ነቲ ጽቡቕ ዝገበርናዮ ኸአ አመስጊና ብዝያዳ ክንዓብየሉ እንውስነሉ እዋን እዩ። ሰብ ከመስግን አምላኽ ክምስገን ሕጊ ተፈጥሮና እዩ ንወሃቢ አምላኽ ክነመስግኖ እንከሎና ዝያዳ ምስኡ ርክብ ንፈጥር ኢና እሞ ሕልናና እናሓተትና ሕይወትና ርኢና ንኽአል። ምርመራና ዕዉት ክኸውን በቲ ዝተወሃብናዮ ክንጅምር እንተ ኾና እስከ እንታይ እዩ እቲ አምላኽ አብዚ ዓመት ዝሃበኒ እናበልና ንርእስና ንሕተትን ንርኤን።
፩ ~ ህያብ ሕይወት፥ ነዚ ዓመት አብዚ ዓለም ክነብር አምላኽ ሂቡና። በዚአ ዝሓለፈት ዓመት ክነብር እሞ ክነምስግኖን ሕይወትና ብዝያዳ አብኡ አቕሪብና ምእንቲ ክነብር ኢሉ ክነብር ፍቓዱ ኮይኑ። ብዙሓት እንፈልጦም በዚ ዓመት አብ ነዋይ ዓለም ሓሊፎም ናይ ገለ ብድንገት ናይ ገለ ኸአ ዘንጊዖም ከለዉ ሞት ጸዊዓቶም። ገለ አምላኽ ዝሃቦም ከአ ተቐሪቦም ንሞት ደንጒኺ እናበሉ ተሓጊሶም ተቐቢሎማ። እቲ ጸዋዕታ ብብዙሕ መገዲ እዩ ዝመጽእ። እንተ ንሕና እሞ አምላኽ ጉዕዞ አብዚ ዓለም ክንቅጽል ደልዩ አሎ። ስለዚ ንፍሉይ መደብ እዩ እቲ ውህበት። ከም ክርስትያን ንክርስቶስ አብ ሕይወተይ ክምስክሮ ንኃጢአት አርሒቐ ንሰናይ ክገብር መብጽዓ ዝአትወሉ ጊዜ እዩ። ሕይወተይ መጋበሪ አምላኽ ኮይነ ክነብር ሎሚ እውን አምላኽ ደልይዎ አሎ ኢልና ንሕይወትና ልኡኻት አምላኽ መሳርሕቲ አምላኽ ኮና ክንመርሕ ይደልየና አሎ። ንስለ ምንባር አይኮነ ሕይወት ተዋሂቡኒ ዘሎ አምላኽ ብአይ ገሩ ክልእኮ ዝደሊ ምስጢር አሎ።
ልኡኽ ኮንካ መልእኽቲ አምላኽ ክተብጽሕ ትሑዝ ኢኻ። ንመልእኽቲ አምላኽ ብናትካ ድለት ምትካእ ወይ አብቲ ንስኻ ጥራሕ እትደልዮ ወሲንካ ክትነብር ምድላይ ልኡኽ አምላኽ አይገብረኒን እዩ። ኩልና ብአርአያኡን አምሳሉን ዝተፈጠርና ነናትና መልእኽቲ እነብጽሖ አሎና። አብዛ እትውድእ ዘላ ዓመት ክነመሓላልፎ ዝግብአና መልእኽቲ አብጺሕናዶ ኢልና ነፍስና ክንሓትት አሎና። አድራሻ ቀይርና ንመልእኽቲ አምላኽ አብ ዘይ ቦትኡ አብጺሕናዮ ከይንህሉ ሕልናና ንመርምር። ብዙሓት ካባና ብኪዳናዊ ሕይወት ዝነበሩ መልእኽቶም በቲ ዝነብርዎ ሕይወት ከብጽሑ ከምኡ ብክህነት ብመብጽዓ ዝነብሩ እውን ናታቶም መልእኽቲ ዘብጽሕዎ አለዎም። ዝተዋህበካ መልእኽቲ አለሊኻ ክትፈልጥ እሞ በጺሑ ምዃኑ አረጋጊጽካ ንሓዲስ መልእኽቲ በዚ ዓመት ክተብጽሕ ምብጋስ እዩ እቲ ዝድለ ዘሎ። እዚ እዩ ህያብ ሕይወት። አምላኽ ክነብር ዘፍቀደ ንፍሉይ ጸዋዕታን ንፍሉይ ዓላማን እዩ፥ ብአይ ገሩ ከብጽሖ ዝደሊ መልእኽቲ ስለ ዘሎ አብ ነፍሲ ወከፍን መልእኽተኛ አምላኽ ኮይነ ክርከብ እዩ እቲ ድላዩ።
፪ ~ ዝተፈላለዩ ጸጋታት ተዋሂብና ኢና። አብ መዓልታዊ ሕይወትና እንተ ረኤና ፍሉይ ጸጋታት አምላኽ በብእዋኑ ከም ዝተዋህበና ንርኢ። ሎምዘበን እዚ ፍሉይ ነገር አምላኽ አብ ሕይወተይ አብ ገዛይ አብ ሓዳረይ አብ ተልእኮይ አብ ሓዳረይ አብ ደቀይ አብ ዓደይ አብ ቤተ ሰበይ ኢልና ነቲ ዝተዋህበና ፍሉይ ጸጋ ርኢና ክንክእል። ጽን እንተበልና በዚአ ዓመት ፍሉይ ነገር አብ ሕይወትና ክንርኢ ንኽእል ኢና። እሞኸ አመስጊነዶ ንአምላኽ ዘኪረዶ ወይስ አብቲ ዝገጠመኒ ጸገማት ጥራሕ አተኲረ እየ ዝጥምት ዘሎኹ። አብ ገለ እዋን ንሕና ዘንጋዕቲ እና ነቲ ኩሉ ጽቡቕ ነገር ብናይ ሓንቲ መዓልቲ መስቀል ፈተና ጸገም ከምዘይ ተገብረልና ገርና ንርእዮ። ግን ብዙሕ ክንርእዮ ክንዝክሮ ዘይከአልና ተገሩልና እዩ። ከምኡ ብጸበባ አቢሉ አብ ዝበለጸ እምነትን አገልግሎትን ክጽውዓና ይኽእል እዩ። ነቲ አምላኽ ዝህቦ ምስጢሩን ትርጉሙን ርኢኻ ምኽአል።
ነቲ አምላኽ ዝሃበና ፍሉይ ጸጋታት ርኢና እንተ ኸአልና ሎሚ ፍሉይ ነገራት ካብ ርእስና ተበጊስና ክንገብሮ ዝድለ ነገር አሎ ብፍላይ አብዚ ናይ ዓመት መወዳእታ መዓልቲ።


    ንዝተጓነፈና ጸገም ጊዜ ሂብና ሕልናና ዕረፍቲ ንሃቦ። ከነስተውዕል ንዝገጠመ ነገር ክንመሚ እሞ ንአምላኽን ሰብን ዝበደልናዮ ርኢና ክንክእል። አስተንትኖ ዕላል ምስ ሕይወትናን ኩሉ መነባብሮና የድልየና። ንርእስና ጊዜ ሂብና ክንክእል። እዚ ከም አብ መስትያት ገርና ሕይወትና ክንሓትት እንተኸአልና ርእስና ኽገለጸልና እዩ፥ ሽዑ ንምሕረት ንጸሎት እኮታስ አብ አምላኽ ክንምለስ መገዲ ክፉት ክኾነልና እዩ። ሰብ ጸገሙ ንርእሱ ዝኸውን ጊዜ የብሉን አብ ርእሱ ዘይኮነ አብ ካልእ ነገራት ኮይኑ ቀዳምነት ዝህቦ።
    መጀመርያ በደልና ክንርኢ ክንዲ ተበዲለ ጥራሕ ምባል። አነኸ እንታይ ገረ ኢልና ንርእስና አብ መንበር ፍርዲ አቐሚጥና ምምርማር። በደል ካልኦት ክትርኢ ቀሊል እዩ እቲ ዝኸበደ ንበደልካ ርኢኻ ዘይምኽአል እዩ። ከም ሰብ መጠን እምብአር ርእስና መሊኽና ክንክእል እሞ ንጹር ኩነት ሕይወትና ርኢና ክንክእል። በዲለ ተጋግየ ክንብል ነዚ ዝብል ምናልባት ብስጋዊ አረአያ ስዕረት ይመስል እዩ እንተኾነ ዓወት እዩ ዘምጽእ። ነቲ መንፈስ ሰይጣን አሸኒፍና ትሕትና ክንለብስ እሞ ሓቀኛ ተፈጥሮን ክንለብስ ዘኽእለና እዩ።
    ጸሎት ክንገብር ይግብአና። ምስ አምላኽ ተዛሪብና እንተ ኸአልና ጥራሕ ኢና አብ ምሕረት ክንምለስ እንኽእል። ጸሎት መገድና የቐይረና እዩ። ክንጽሊ ከሎና አብ ልብና ንምለስ ሽዑ ነቲ ዝበደልናዮ ወይ ዝበደለና ሰብ ብዓይኒ አምላኽ ክንርእዮ ንኽእል። ጸሎት ማለት ነፍስኻ አብ አምላኽ ምዕራግ ማለት እዩ፥ ካብ ምድራዊ ነገራት አብ ሰማያዊ ነገራት ቀዳምነት ሂብካ ምስ አምላኽ ክትዛረብ ምኽአል ከንደይ በረኸት አልኦ እዚ እዩ እቲ ጸሎት ኢልና እንጽውዖ ዘሎና። መወዳእታና አብ አምላኽ ምዃኑ ፈሊጥና ዕላል ምስኡ ክንለምድ ጸሊና ክንክእል አሎና።
    ንስምዒትና ንአንነትና ኹሉ ክንማርኾ ይግባእ። ነቲ አብ ልብና ዝስምዓና ሕማቕ መንፈስ ቂምታ፥ ነቲ ተበዲለ ጥራሕ ዝብል ሕይወትና፥ ነቲ ሕነ ክፈዲ ዝደሊ መንፈስና ንኹሉ አሸኒፍና ክሳብ ዘይከአልና ክንምሕር ከቢድ እዩ። አብዚ እዩ እቲ ፍሉይ ጸጋ አምላኽ ዘድልየና። ስለዚ ርእስና ክንመልኽ ምስ አምላኽ ክንራኸብ የድልየና።



አምላኽ በዚ ብሩኽ ዓመት ጸግኡ በረኸቱ ዓዲልና እዩ እሞ ነመስግኖ። ምስ አሕዋትና ዝኾነ ዘይምፍታው ወይ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ እንተኾነ ክንሓድግ ዕርቂ ክንፈጥር እሞ ዓመትና ምስ አምላኽ ክንጅምሮ ንሰናዶ። ዝነጽሔ ልቢ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝኸውን እሞ ልብና አምላኽ ክሓድሮ ሎሚ ንሕሰበሉ። ከም ሰባት ድኹማት ፍጥረት ስለ ዝኾና ንአምላኽ ሓግዘኒ ምሓረኒ ምሒረ ክኽእል ጸጋኻ ሃበኒ ንበሎ። ፍቕርኻ ኩሉ ህያባትካ በዚ ዝሓለፈ ዝሃብካኒ አመግነካ አሎኹ። ነዚ ሓዲስ ዓመት ከአ አብ አገልግሎትካን አብ ቅዱስ ሕይወት መሪሔ ክኽእል ጸጋኻ ዓድለኒ ንበሎ።
ማርያም አደና ንአምላኽ በቲ ዝተገብረላ ኩሉ አምስጊና ዝኸአለት እያ፥ ነቲ ኩሉ አብ ሕይወታ ዝወረዳ ብዓይኒ ፍቕርን ምስጋናን ስለ ዝረአየቶ ተመስገን ክትብል አይጸገማን። ሎሚ እውን ንአና ንደቃ ፍቕሪ ወዳ ክተምህረና መገዲ ሰማይ ርኢና ከም እንኽእል ክትገብረና አየጽግማን እዩ። ለምንልና ሓግዝና ንበላ። ንኹሉ ጸሎትናን ጽቡቕ ድላይናን ርእዩ ብዝሓለፈ አበሳና ምሒሩ ንዝመጽእ መገዲ ቅድስና ሒዝና እንጉዓዘሉ ሓይልን ክእለትን ይሃበና።
ርሑስ ሓዲስ ዓመት ናይ ሰላምን ቅድስናን ዓመት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።








All the contents on this site are copyrighted ©.