2012-09-07 12:04:31

አብ ፓኪስታን ረምሻ ንእትብሃል መንእሰይ ዝቀረበ ክሲ ናይ ጠቀነ ምዃኑ ተሓቢሩ፣


አብ ፓኪስታን ፀረ ሃይማኖት ምስልምና በደል ፈጺምኪ ተባሂላ ክሳብ ናይ ሞት መቅጻዕቲ ዝጽበያ ዝነበረ ሪምሻ ብዘይ ወዓለቶ ገበን ብምዃኑን ነዚ ኮነ ኢሉ አብ ቦርሳአ ናይ ቍርዓን ጽሑፋት ከናቲፉ ዘእተው ኢማም ብምትሓዙን ናይ ድሕነታን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጻአን ዕድል እናሰፍሐ ከምዝመጸ ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ፣ እቲ ነዛ ጓል 13 ዓመት እሞ ኸአ ብዙሕ ጥዕና ዘይብላ ቈልዓ ናይ ቍር ዓን ገጻት አቃጺላ ቢሉ ዝኸሰሳ ኢማም ነቲ ወረቃቅቲ ባዕሉ አብ ቦርሳአ ከምዘእተወ ብመሰኻኽር ተረጋጊጹ እንከብቅዕ ሕጂ ተሪፉ ዘሎ ናይቶም ደያኑን ቤት ፍርድን ምዃኑ ዝገለጸት ቤተ ክርስትያን ፓኪስታን ነዚ ፍሉይ ጉዳይ ናይ ሓቅነት ምጽራይን ምዕዋትን ጥራይ ዘይኮነ ንምሉእ ሃገረ ፓኪስታን ዝኸውን ዓወት እዩ እንክትብል እፎይታአ ገሊጻ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.