2012-09-07 12:07:41

ብፅዕና አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ 9ይን ዮውሐንስ መበል 23ን


ናይ ሎም 12 ዓመት ብዕለት 3 መስከረም 2000 ዓም በዓል ሠናይ ዝኽሪ ብፁዕ ዮውሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፅዕና ናይ ክልተ ዓበይቲ አር እስት ሊቃነ ጳጳሳት ማለት ር.ሊ.ጳ ፕዮስ 9ይን ር.ሊ.ጳ ዮውሐንስ መበል 23 አዊጆም ከምዝነበሩ ተዘኪሩ፣ እዚኦም ክልተ አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ቀንዲ ዝዝክረሉን ነጥብታት ብሓደ ወገን ክል ቲኦም ፍሉይ ፍቅርን ክብርን ንወላዲተ አምላኮ ድንግል ማርያም ዝነበሮም እንክኸውን ብካል እ ወገን ድማ ክል ቲኦም አብዘን መጨረሻ ክፍለዘመናት መበል 19 ን 20 ን ንተሓድሶ ቤተ ክርስትያን አበርቲዖም ዝሰርሑን አብ ፍልልይ ናይ ሚ እቲ ዓመት ቀዳማይን ካል አይን ጉባኤታት ቫቲካን ዝ አወጁን ብምዃኖም ኢዩ፣ ብፁዕ ፕዮስ 9ይ ብ1869 ቀዳማይ ጉባኤ ቫቲካን እንክ እውጁ ብፁዕ ዮውሐንስ መበል 23 ከአ ብ1962 ዓም ካል አይ ጉባኤ ቫቲካን አዊጆም፣ ብፁዕ ፕዮስ 9ይ ብ1792 ተወሊዶም ብ1846 አብ 54 ዓመት ዕድሚኦም ር.ሊ.ጳ ተመሪጾም ካብቶም አብ መንበረ ጴጥሮስ ነዊሕ ዓመታት ዘገልግሉ ሓደ ብምዃን ን32 ዓመት ጸኒሖም፣ ጽንኩር ግዝያት ነሩ፣ ሓደ ካብቲ ዝገበርዎ ብ ዕለት 8 ታሕሣሥ 1854 ዓም እኖና ድንግል ማርያም ብዘይ ኃጢአት አዳም ከምዝተጸንሰት ዝገልጽ ዓንቀጸ ሃይማኖት አዊጆም፣ ከማኡ እውን አብ ቀዳማይ ጉባኤ ቫቲካን ዓንቀጸ ሃይማኖት ናይ ዘይተሰሓሓትነት ጳጳስ አዊጆም፣ ብፁዕ ዮውሐንስ መበል 23 ብመንጽሮም 1881 ተወሊዶም ብ1958 ወዲ 77 ዓመት እንከለው ር.ሊ.ጳ ተመሪጾም፣ ብ ኡ ንብ ኡ ብ1959 ካል አይ ጉባኤ ቫቲን 11 ጥቅምቲ 1962 ዓም ከምዝኽፈት አዊጆም፣ ኮይኑ ግን ጉባኤ ከይተፈጸመ 5 ዓመት ጥራይ ጸኒሖም ሓለፉ፣
ክልቲኦም አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብሕያውነቶምን መንፈሳውነቶምን ፍሉጣትን ብዙሕ አብነት ብምዃን ንብዙሓት ከምዝሃነጹን ብ አውጅ ብፅ ዕናኦም ተገሊጹ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.