2012-09-01 15:20:58

ናይ ወርሒ መስከረም ጸሎተ ሐሳብ ር.ሊ.ጳ


ብናይ ቤተ ር.ሊ.ጳ መደብ ሥርዓተ አምልኾ ስርርዕ ዝቀርብ ወርኃዊ ጸሎተ ሓሳብ ር.ሊ.ጳ ወርሒ መስከረም ብመሪሕነት ፖሎቲካ ንሕዝቢ ምእንቲ ዘገልግሉ ከምዝኾነን ፖሎቲካውያን ብቅንዕናን ምሉእነትን ብፍቅሪ ሓቅን አገልጊሎም ም እንቲ ክኽ እሉ ጸሎት ከምዘዕርጉ ኩሎም ምእመናን እውን በዚ ሓሳብ እዚ ምስ ር.ሊ.ጳ ክጽልዩ ከምዝኾነ ተመልኪቱ፣ነዚ ብዝምልከት ናይ ካምፖባሶ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ሃገረ ጣልያን ጉባኤ ጳጳሳት ኮሚሽን ማኅበራዊ ግድላትን ሥራሕን ሊቀ መንበርን ብፁዕ አቡነ ጃንካርሎ ብረጋንቲኒ ንረድዮ ቫቲካን አብ ዝሃብዎ መግለጺ እዘን አብ ሓሳብ ጸሎት ቅዱስ አቦና ተመልኪተን ዘለዋ ሠለስተ ኃይላት ማለት ቅንዕና ምሉእነትን ሓቅን አዕኑድ ናይ ኩሉ መሪሕነት እንክኾና ብሕልፊ ንፖሎቲካውያን መራሕትና ዘድልያ እየን፣ ሠለስቲኤን ሓቢረን ብዙሕ ከዓውታ ዝኽ እላ ኃይላት ኢየን፣ ቅን ዕና ክንብል ከሎና ንጹሕ ልቢ ምህላው፤ ምሉ እነት እንክብል ካብ መጀመርያ ክሳብ ፍጻሜ ወጊሓ ክሳብ ት ዓርብ አብ ነፍሲ ወከፍ ዕለተ ሶሙን ውህደትን ሓድነትን ክህሉ እንክሓትት ሓቅነት ከአ አብ ክልቲኡ አገዳሲት እንክንሳ ክንዮ ኩሉ ነገራት ሓላፊካ ጸብለል ቢልካ ምኽ አል ኢዩ፣ ሠለስቲኤን ተማላላእቲ እየን፣ ቅድሚ አርባዕተ ዓመት ቅዱስ አቦና አብ ካጝልያሪ ሓዋርያዊ ምብጻሕ አብ ዝገበሩሉ ጊዜ ሓዲስ ወለዶ ናይ ም እመናን ክርስትያን አብ ምምሕዳር ዝጽመዱ ከምዘድልዩን አብ ኩሉ ደረጃታት ምምሕዳር ክሳተፉ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ከአ ኃላፍነትን አባልነትን ክስም ዖ ሓደራ ኢሎም ነሮም፣ አብዚ ሱታፌ እዚ ከአ ዝለዓለ ሓሳባት ብምሓዝን ንሓባራዊ ጥቅሚ ኅብረተሰብ ዘቀድም ውህደት ሕይወት ክምስክሩ ተላብዮም፣ እዚ ውህደትን ምስክርነትን እዚ ከአ ብመስዋዕትነት ብብቅ ዓት ምግልጋል ነዚ ከአ እዘን አብዚ ወርኂ እዚ ም እንታአን ክንጽሊ እንሕተተለን ሠለስተ ኃይላት ማለት ቅን ዕና ምሉ እነትን ሓቅነትን መሠረታውያን ኢየን እንክብሉ አድላይነትን እዋናውነትን ናይዚ ጸሎት ገሊጾም፣







All the contents on this site are copyrighted ©.