2012-08-30 16:53:10

ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ንሓቅታት ወንጌል አብ ዋጋ ዕዳጋ ከይወረደ ክምስክር አለዎ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ካብቲ ንዕረፍቲ ዝርከበሉ ሓዋርያዊ አደራሽ ካስተል ጋንደልፎ ንሰማዕትነት ዮውሐንስ መጥምቅ አመልኪቶም አብ ዝሃብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ “ንፍቅሪ ክርስቶስ ብምንም ተአምር አብ ዋጋ ዕዳጋ ክነውርዶ የብልናን፣ ክርስትና ከምቲ አብ ጊዜ ሰማዕትነት ቅዱስ ዮውሐንስ ሎሚ እውን እንተኾነ ሕይወት ክርስትና ንዕለታዊ ተአማንነት ወንጌል ሰማዕትነት ዘድልየሉ ጊዜ ኢና ዘሎና” እንክብሉ ሓደራ ምስ በሉ ካብ ሃገረ ፈረንሳ ንዝመጹ ልዕሊ ክልተ ሺሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዝኾኑ አገልግልቲ መንበረ ታቦት ምስ ቆሞሳቶምን አቡናቶምን ተቀቢሎም ፍሉይ ሰላምታ አቅሪቦምሎም፣
ሰማዕትነት ቅዱስ ዮውሐንስ መጥምቅ ዘዘኸኽረናኸስ “ምስ እግዚአብሔር ብምትእስሳር ዝቆመ እምነት ንሠናይ ነገርን ንሓቅን ክሳብ መወዳእታ እሙናት ንምዃን ወላውን ርእስኻ ብምኽሓድን ብሰማዕትነትን ከምንኽ እል የስተምህረና” ስለዚኸስ “ከም ቅዱስ ዮውሐንስ ማንም ሰብ ክሳብ ምስቲ ንሕይወትና ብአምሰሉነት ዝምርዝ ናይዚ ዓለምዚ ክፍአትን ሓሶትን ምንም ከይንመሳሰል ብጸሎት አብ ጥቃ እግዚብሔር ንኹን” ቢሎም፣
ቅዱስነቶም አብ መእተዊ አስተምህሮኦም “ዝተፈቶኹም አኅዋትን አኃትን ሰማዕትነት ቅዱስ ዮውሐንስ መጥምቅ እንከነብ ዕል፤ ንናይዚ ዘመንና ክርስትያን ንዝንኾንና ንኣናውን ንፍቅሪ ክርስቶስ ቃሉን ንሓቁን ብምንም ተአምር አብ ዋጋ ዕዳጋ ከይንወርድ የዘኻክረና፣ እታ ሓቂ ሓቂ ስለዝኾነት አብ ዋጋ ዕዳጋ አይትወርድን፣ ቅዱስ ዮውሐንስ መጥምቅ ንስለ ፍቅሪ እዛ ሓቂ እዚአ አይተመሳሰለን ነቲ መንገዲ እግዚአብሔር ገዲፉ ብግጉይ መንገዲ ዝጐዓዝ ንዝነበረ ብኃያል ቃላት ክገንሖ ድምብርጽ አይበለን፣ ሕይወት ክርስትና ሎሚ እውን እንተኾነ ሰማዕትነት ዕለታዊ እምነት ወንጌል የድልዮ አሎ፤ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ክርስቶስ አባና ክ ዓቢ ንሱ ንሓሳባትናን ተግባርናን ክመርሖ ክነፍቅደሉ ትብ ዓት የድልየና፣ እዚ ክኸውን ዝኽ እል ግና ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ርክብ ጽኑዕ እንተኾነ ኢዩ” እንክብሉ አድላይነትን ፍረን ናይ ጸሎት ሓቢሮም፣
“አብ ጸሎት እነሕልፎ ጊዜ ንከንቱ አይኮነን፣ ካብቲ ዕለታዊ ተግባርና ወላ እውን ካብቲ ሐዋርያዊ ግብረ ተል እኮ ቦታ ከም ምስራቅ እውን አይኮነን፣ እንታይ ደአ ተጻይ ናይዚ ኢዩ፣ እምነት ዝምልኦን ቀጻልን ተአማንን ዝኾነ ጸሎት አተዘውትር ሕይወት ክንነብር እንተኽኢልና ጥራይ ኢዩ፤ ሓጐስን ቅሳነትን ዘለዎ ሕይወት ንክንነብር እግዚአብሔር ክእለትን ኃይልን ዝህበና በዚ ከአ ንኩሉ ጸገማት አሸኒፍና ብትብ ዓት ክንምስክር ንኽ እል፣” ቢሎም
አብ መወዳእታ ብቋንቋ ፈረንሳ አብ ዘቅረብዎ ትምህርትን ሰላምታን ነቶም ብጓሶቶም ተሰንዮም ካብ ፈረንሳ ንዝመጹ አገልገልቲ መንበረ ታቦት ከምዚ ክብሉ ፍሉይ ሰላምታ አቅሪቦምሎም፣
ፍቍራት አዕሩኽተይ እዚ ንስኹም ብተአማንነት እትገብርዎ ዘሎኹም አገልግሎት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ጥቃ እቲ አብ ቅዱስ ቍርባን ዝርከብ ክርስቶስ ንክትኮኑ የፍቅደልኩም፤ ስለዚ ምስ ክርስቶስ ዘሎኩም ዕርክነት ከተዕብይዎን ነቲ ካብኡ ትረኽብዎ ወንጌላዊ ሓጎስ ንመሳቱኹም ብሕጉስ መንፈስ ንምትሕልላፉ አይትፍርሑ፣ እንክብሉ ተላቢዮምዎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.