2012-08-28 14:27:22

ካቶሊካዊ ተግባር ማኅበር፦ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስትያን


ካብ ኣርባዕተ ክፍሊ ዓለምን ካብ 35 ሓገራት ዝተዋጽኡ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ደናግልን ናይ ካቶሊካዊ ተግባር ልኡካን ብጠቅላላ 170 ተሳተፍቲ ዘራኸበ፦ “ዓለማውያን ምእመናን ናይ ካቶሊካዊ ተግባር፣ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ማሕበረሰብን ንሓባራዊ ሓላፍነት” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ሮማኒያ ኢያሲ ካብ ዕለት 22 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ክካይድ ዝቐነየ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ RealAudioMP3 ካቶሊካዊ ተግባር ከምእዝተፈጸመ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዝሓበረ ክፍለጥ እንከሎ፣ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን በዚ ምኽንያት እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመት ምኽንያት ተራ ወይ ድማ ሓባራዊ ሓላፍነት ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስትያንን ሕብረተሰብን ኣማእኪሉ ክዝተይ ከምዘነቓቐሔን ብሓቂ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ተራ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝምልከት ነቲ ዘሎ እዋናዊ ኣመለኻኽታ ክቕየርን ክሕደስን ዝድርኽን ናይ ጓሶት ነፍሳትን ዓለማውያን ምእመናን ሓባራዊ ሓላፍነት ዘለዎ ክቡር ዋጋ ዳግም ርኽበቱን ንምርግጋጽን ዝዓመተ ጉባኤ ምንባሩ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ዓለማውያን ምእመናን ተሓባበርቲ ካህናት ዘይኰኑስ ብጽዋዕታኦም ኣቢሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ‘ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ህላዌን ተግባርን ቤተ ክርስትያን ዘለዎም ናይ ተሓባባሪ ሓላፍነት’ ተግባር ከይዝንግዑን ቤተ ክርስትያን ናቶም እውን ከምዝዀነትን” ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ንዝበልዎ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዘተየ ከምዝነበረ የመልክት።
ዓለማውያን ምእመናን መሰኻኽር ወንጌል ኣብ ኵሉ መዳይ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ እውን ኣማእኪሉ ኣብ ምስፋሕ ወንጌል ዘለዎም ተራ ዘነጸረን ዘተባብዔን ምዃኑ ናይ ኣርጀንቲና ናይ ካቶሊካዊ ተግባር ኣቦ መንበርን ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ካቶሊካዊ ተግባር ኣወሃሃድን ኤሚሊዮ ኢንዛኡራጋ ከምዝሓበሩን ኣርጀንቲናን ብሩንድን ኢጣልያን ዝረከብዎም ማእከላይ ሬፓብሊካዊት ኣፍሪቃን ኮንጎ ብራዛቪልን ዘጠቓለለ ብሓድሽ ኣባልነት ንምምሕዳር ፈደራላዊ ካቶሊካዊ ተግባር ሮማኒያን ስፐይንን ብምምራጽ ብዞም ሸውዓተ ሃገራት ዝምራሕ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ካቶሊካዊ ተግባር ጉባኤ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከምዝቖመ እውን ከምዘመልከቱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።
ኣብ ግብጺ እዚዩ ዝደኸየ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝመሃርሉን መብዛሕቲኦም ናይ ምስልምና ሃይማኖት ሰዓብቲ መንእሰያት ዝርከብዎም ተመሃሮ ዝስልጥኑሉ ሸውዓተ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣባይቲ ትምህርትን ናይ ሙያ መሰልጠኒ ኣባይቲ ትምህርትን ከምኡ እውን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝረኽብሉ ዝተፈላለዩ ኣባይቲ ሕክምና እውን ከምዘሎ ኣባ ግረይከ ገሊጾም፣ በዚ መገዲ’ዚ እምነት ብቓልን ብተግባርን ይምስከር ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.