2012-08-28 14:22:28

ኣፍሪቃ፦ ምስፋሕ መጥቃዕቲ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና


ኣብ ኣፍሪቃ ካቶሊካውያን ምእመናን ንናይ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዒላማ ምፍርራሕ ከምዝዀኑን እንክንገር፣ ኰይኑ ግን ነቲ ዝወርድ መጥቃዕቲ መጥቃዕታዊ ግብረ መልሲ ብምሃብ ኣብ ናይ ዓመጽ ተግባር ክዋስኡ ድላይ ከምዘይብሎም ኣብቲ ኣብ ሮማኒያ “ዓለማውያን ምእመናን ናይ ካቶሊካዊ ተግባር፣ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ማሕበረሰብ ሓባራዊ ሓላፍነት” RealAudioMP3 ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ናይ ካቶሊካዊ ተግባር ፈደራላዊ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ኣፍሪቃ ካቶሊካዊ ተግባር ወከልቲ ከምዘረጋገጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብ ናይጀሪያ ናይ ኣቡጃ ሰበኻ ናይ ካቶሊክ ተግባር ናይ ማሕበራውን ርክባትን ጉዳይ ሓላፊ ኣባ ፓትሪክ ኣሉሙኩ ካቶሊካውያን ምእመናን በቲ ናይ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝወርድ መጥቃዕቲ ብዘስዕበሎም ፍርሒ ከይተሰናበዱ ኣብ ጸጥታን ድሕነትን መደብ ምስ ሓለዋ ጸጥታ ብምትሕብባር ኣብ ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራታትን ቤተ ክርስትያንን ተወዲቦም ንናይ ማሕበራዊ ሰላማዊ ናብራ ምርግጋጽ ኣሚቱ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆን ዕሎሩንፈሚ ኦናየካን “ንዓመጽ ዘይጎነጻዊ መልሲ ምሃብ እቲ ዝበርትዔ ሓይሊ እዩ ስለዚህ ሓዊ ካብ ምጉህሃር ተግባር ንቆጠብ” እንክብሉ ዝሃብዎ ምዕዳን መሠረት ገይሮም የገልግሉ ኣለዉ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ እቲ ኣብ ናይጀሪያ ዝፍነው ጸረ ኣቢያተ ክርስትያንን ምእመናንን መጥቃዕቲ ኣብ መንጐ ሃይማኖት ምስልምናን እምነት ክርስትናን ብሓፈሻኡ ብሃይማኖት ምስልምና ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስትያን ዝፍጸም ዓመጽ ዘይኰነስ ጸረ መንግስቲ ዝሓቀነ ናይ ሓደ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሰብዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ተግባር እዩ። ኣብ ናይጀሪያ ናይ ሃይማኖት ግርጭት የሎን እንክብሉ፣ ኣብ ግብጺ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ራፊቕ ግረይከ፣ ናይ ግብጺ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን መሰል ማዕርነትን ውሕስነት ድሕነትን ጸጥታን ንውሁዳን ክፍሊ ህብረሰብ ንምርግጋጽ ዝህብዎ ዘለዎ ውሳኔ ዝነኣድ እውን እንተዀነ፣ ውሕስነት መጻኢ ማንም ከረጋግጾ ዝከኣል ኣይኰነን ከምዝበሉ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.