2012-08-28 14:09:01

ናይጀሪያ፦ ዘይቀጥታዊ ዘተ ኣብ መንጐ መንግስትን ጉጅለ ሃይማኖት ምስልምና ቦኮ ሃራምን


መንግስቲ ናይጀሪያ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ቦኮ ሃራም እተሰምየ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘይቀጥታዊ ዘተ የካይድ ኣሎ ንዝብል ብዝተፈላለዩ ናይታ ሃገር መራኸቢ ብዙኃን ክወሃብ ዝጸንሔ ሓበሬታ ሓሶት እንክብል ክገልጾ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዕለት 26 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. መንግሥቲ ናይጀሪያ ናይቲ ቦኮ ሃራም RealAudioMP3 ናይ ይግብኣኒ ሕቶታቱን ጠለባቱን ንምልላይ ኣሚቱ ምስቲ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘይቀጥታዊ ዘተ ዘበገሰ ምዃኑ ብወግዒ ከምዘፍለጥ ተሓቢሩ።
ብዛዕባ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ዜናን ሸቶኡን ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ላዕለዋይ መጽናዕቲ ጉዳይ ስነ ሓይሊ ምክልኻል ማእከል ንናይ ኣፍሪቃ ጉዳይ ስነ መጽናዕቲ ሓላፊ ማርኮ ማሲኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ንናይጀሪያ ኣብ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ውጥረት ዝድርኻ ዘሎ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ጠለባቱን ናይ ይግብኣኒ ሕቶታቱን ንምልልይ ጥንቁቕን ትሕት ብዝበለ ደረጃ ዘተ ከምዘበገሰ ብዕሊ ምሕባሩ፣ መንግስቲ ናይቲ ጉጅለ ናይ ይግብኣኒ ሕቶታቱ ብትኽክል ዘይፈልጥ ምዃኑ ዘነጽር እዩ። ኰይኑ ግን እዚ ዓይነት ኣገላልጻ ነቲ ጉጅለ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ወኪሎም መዛተይቲ ዝዀኑ ብቑዓት ኣካላት ንምልላይ ዝብል ኣዘራርባኡ እቲ ጉጅለ ብቑዓት ዘተይቲ ከምዘይብሉ እዩ ዘነጽር።
እቲ ጉጅለ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ናይ ናይጀሪያ ውሽጣዊ ጉዳይ ፖለቲካ ከም ተዋሳኢ ናይ ፖሊቲካ ሓይሊ በቲ ናይ ናይጀሪያ ፖለቲካዊ ምምሕዳር ዘይፍለጥ ብምዃኑ እንተ ገደደ ከም ኣማራጺ ዝረኤ ምናልባት ነቶም ናይታ ሃገር ዝተሓላለኸ ሕብረተሰ ዘቑሙ ዝተፈላለዩ ኣብ ናይ ጉዳይ ሃገር ተጽዕኖ ክህልዎም ዝኽእሉ ተቓወምትን ፈልዩ ግምት ዝህብ ሓድሽ መንግስቲ ዘቕውም ምርጫ እዩ።
እቲ ማእከላዊ ጉዳይ ዝበሃል ዘሎ ናይቶም መዛተይቲ ተኣማንነት እዩ። መንግስቲ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ንምቁጽጻርን ንምውጋድን ኣሚቱ ናይ ስልጣን ምቅይያራትን ከምኡ’ውን ካብ ሓላፍነት ምውራድ ዝኣመሰሉ ውሳኔታት ገይሩ እዩ። እዚ ግን ናይ መንግስቲ ተኣማንነት እምበር ናይቲ ጉጅለ ኣኽረርቲ ሃይማንት ምስልምና ዝውክሉ መዛተይቲ ተኣማንነት ኣብ ሕቶ ዘእትው ውሳኔ ኣይመስልን። ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ናይ መንግስቲ ተጸባይ ፖለቲካ እቲ ቦኮ ሃራም ነቲ ክፍጸም ዝኽእል ዘተ ማዕዝናቱ ንምውሳን ኣሚቱ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ንኽፍጽም ዘበራትዖ እዩ ዝመስል ኢሎም።
መንግስቲ ዘይቀጥታዊ ዘተ ዘበገሰ ምዃኑ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ መንስቲ ዘለዎ ድኹም ጎድንታቱ ዘመልክት ኰይኑ ከሕሰብ ዝከኣል ኣዩ። ዋላ’ኳ ንቦኮ ሃራም ግዱስ ኣተኵሮ ገይሩ መፍትሒ ክርከበሉ ድላይ ከምዘለዎ ዘመልክት እውን እንተኾነ፣ ቦኮ ሃራም ብገዛእ ርእሱ ዝንቀሳቐስ ጥራሕ ዘይኰነስ ቁጠባዊ ደገፍ ዘቕርቡ ካልኦት ኣካላትን ድጋፍ ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓይልታት መኽረርቲ ስለ ዘለዉ፣ እቲ ጉዳይ ናይ ናይጀርያ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ መላእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝምልከት ምዃኑ፣ ከም ኣብነት እቲ ኣብ ጊኒ ቢሳው ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስትን፣ ኣብ ማሊ ናይ ኣዛዋድ ምግንጻልን፣ ምጭዋይ ናይ ጋኦ ውኪል ኣብ ማሊን ኢድ ቦኮ ሃራም ኣለዎ ዝበሃለሉ ጉዳያት ጠቒሶም፣ ስለዚህ ነዚ ጉዳይ ኣብ ግምት ኣእቲኻ እቲ ናይ ቦኮ ሃራም ሕቶ ሓደ ክፋል ናይቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርኤ ዘሎ ውጥረት እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.