2012-08-23 14:18:41

ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሱታፌን ሓርነትን፦ “ርክብ ኣብ መንጎ ሰብን ኢታእላውን”


ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሪሚኒ በቢ ዓመቱ “Comunione e Liberazione- ሱታፌን ሓርነትን” እተሰምየ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ዘዳልዎ ዓወደ መጽናዕቲ ብምቕጻል “ሰብኣዊ ባህርይ ርክብ ምስ ኢታእላው ኣዩ” ብዝብል ጠቕላሊ ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብታ ናይቲ ማሕበረሰብ ሱታፌን ሓርነትን መሥራቲ ነፍሰ ሄር ክቡር ኣባ ልዊጂ ጁሳኒ “ሃይማኖታዊ ስምዒትን ትርጉምን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓባይ ናይ መጽናዕቲ ሰነዳዊት RealAudioMP3 መጽሓፍ ኣደጊፉ ዝካይዶ ናይ ለምዘበን 2012 ዓ.ም. ዓውደ መጽናዒት ዕለት 19 ነሐሰ 2012 ዓ.ም. ናይ ሪሚኒ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ላምቢያሲ ብዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተጀመረ እንክዝከር፣ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኤውሮጳ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ትማሊ ዋዕላኡ “ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ረገንስበርግ ኣሰተምህሮ ውርሻ” ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሎም ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ሮውኮ ቫረላ ዓሚዪቕ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ነቲ ዓለም ሓቆፍ ዓወደ መጽናዕቲ ሪሚኒ ዝከታተሉ ዘለዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፈደሪኮ ፒያና ገሊጾም፣ እቲ ዋዕላ ኣብ ናይ ኤውሮጳ መጻኢ ዕድሎት ዘተኰረ ብምንባሩ እውን ናይ ኢጣሊያ ነበር ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ምኽትል ኣቦ መንበር ፍራንኮ ፍራቲኒ ኣውን ዘረባ ከምዘስምዑን ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ሮውኮ ቫረላ ናይ ረገንስበርግ ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና ክርሳዕ ዘይብሉ ገና ብዙሕ መጽናዕቲ ዘድልዮ ዓቢይን ክቡርን ኣስተምህሮ እዩ። ምእንቲ’ዚ እዋናውነቱ ዝተረጋገጸ ኰይኑ ንኤውሮጳ ሕንጸት መሠረት እዩ ከምዝበሉን ነዚ ሃሳብ መሠረት ገይሮም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ካታንያ መንበረ ጥበብ ናይ ሕገ ቀኖና መምህር ኣንድረያ በተቲኒ ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒያና ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ረገንስበርግ ኣስተምህሮ ቀንዲ መልኽቱ፦ ‘ሰብ ብዝተዓደሎ ርትዒ (ናይ ምስትውዓል ብቕዓት) ኣቢሉ ንእግዚኣብሔር ክፍልጥ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ እግዚኣብሔር ብዘይ ርትዓዊ መገዲ ገዛእ ርእሱ ክፍለጥ እንተዝገብር እግዚኣብሔር ክኸውን ከምዘይክእል ርድኢት ኣለዎ፣ ዝብል ምዃኑን ምእንቲ’ዚ ናይ ሰብ ርትዓዊ ብቕዓት እግዚኣብሔር ንምፍላጥ መገዲ ክኸውን ዝገብሮ፣ እግዚኣብሔር ብወዲ ሰብ ርትዓዊ ብቕዓት ኣቢሉ ከዛእ ርእሱ ክፍለጥ ስለ ዝፈቐደ እዩ። ስለዚህ እታ መልኽቲ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓቂ’ዚ እያ እተብርህ” ኢሎም።
ኣብቲ ናይ ትማሊ ዋዕላ እቲ ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ “ሰብኣዊ ባህርይ ርክብ ምስ ኢታእላው ኣዩ” ዝብል ቀንዲ ኣርእስቱ ኣማእኪሎም ተወላዲ ስፐይን ኣብ ዓለም ብሉጻት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ካብ ዝብሃሉ ሓደ ኻቪየር ፕራደስ ሎፐዝ ኣስተምህሮ ከምዝሃቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒያና ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.