2012-08-23 10:58:16

ናይ ር.ሊ.ጳ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብምኽንያት ሃንደበታዊ ዕረፍቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ አቶ መለስ ዜናዊ ዝተሰመዖም ሓዘን ዝገልጽ መልእኽት ብዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ተፈሪሙ ናብ አብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ሐዋርያዊ ወኪሎም ብፁዕ አቡነ ጆርጅ ፓኒኩላም ሰዲዶም፣ ቅዱስነቶም ምእንቲ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ መራሒ ኢትዮጵያ ምጽንናዕ ሥድራ ቤቶምን ም እንቲ እቶም ብሞቱ አብ ብርቱዕ ሓዘን ዝርከቡ ከም ዝጽልዩ ብምርግጋጽ ጽን ዓትን ተስፋን ዝህብ ቡራኬ ከሃሌ ኩሉ አምላኽ ከምዝልምኑሎም ገሊጾም፣
ናይ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ሰኑይ ምሸት ሰዓት 10.40 አብ መበል 57 ዕድምኦም አብቲ ንሕክማ ተዓቂቦምሉ ዝነበሩ ቦታ በልጅዩም ብራስልስ ካብዚ ዓለም”ዚ ብሞት ብሞት ተፈልዮም፣ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ክሳዕ ሐመድ አዳም ዝለብሱ ሀገራዊ ሐዘን ከም ዝተአወጀን ሰንደቅ ዓላማ ትሒቱ ከም ዘውለብልብን ዋና ጸሐፊ ርክባት መንግሥቲ አቶ ስምዖን በረከት ወግዓዊ መግለጺ ከም ዝሀቡ ካብ ርእሰ ከተማ አዲስ አበባ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ። ሞት ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ ንምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፈተውቲ ኢትዮጵያን መሪር ሐዘን ከም ዝኾነ ስምዖን በረከት ንናይ ውሽጥን ወጻእን ጋዜጠኛታት ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም፣
ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ከም ዝጸንሔን ሕሽዎም እኳ እንተነበረ ዝሐለፈ ክልተ መዓልቲ ኢንፈኽስን ረኽሲ አጋጢምዎም እቲ ሕማም ከም ዝበርትዖምን ህጹጽ ረዲኤት እኳ እንተተገብረሎም ክድሕኑ አይክአሉን ብማለት አተሐሒዞም ንጋዜጠኛታት ገሊጾም፣
ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ብ8ተ ግንቦት 1955 አብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ አብ አውራጃ ትግራይ አብ ከተማ ዓድዋ ከም ዝተወልዱ አብ ዓድዋ ቀዳማይ ብርኪ ዝተማህሩ ላዕላዋይ ብርኪ አብ አዲስ አበባ ናይ ሕክምና ተመሃራይ ከለዉ ነቲ ብኮለነል መንግስቱ ዝምራሕ ዝነበረ አምባገነናዊ ሥርዓት ብሐይሊ ብረት ከወግዱ ብ1974 ንሜዳ ከም ዝወጹ ይፍለጥ፣
ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ካብ 1989 ንሥርዓተ ደርጊ ካብ ሥልጣኑ ዘወገደ ሰልፊ ኢሂወደግ ዝመርሑ፡ ከም ፕረሴደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኮይኖም ክሳዕ ዕለተ ሞቶም ንኢትዮጵያ ንዕስራን ሐደን ዓመታት መሪሖም፣
ቀማይ ሚኒስተር መለስ ብዓል ሕደርን አቦ ሰለስተ ቆልዑ ከም ዝኾኑን
ይምልከት፣
በቲ ርክባት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ መግለጺ መሠረት ወጻኢ ጉዳይ ሚስተርን ምኽትል ጠቅላይ ሚኒስተርን ሃለማርያም ደሳለኝ ተጠባባቂ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሙሉእ ስልጣን ንኢትዮጵያ ክመረሑ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ወሲኑ፣
ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም መወዳእታ ዝእከብ ፓርላማ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾኑ ከጽድቅ ከም ዝኾነ ክአ ቤት ጽሕፈት ርክባት መንግስቲ ኢትዮጵያ አፍሊጡ፣
ናይቲ ቤት ጽሕፈት ርክባት መንግሥቲ አውራ ሐላፊ አቶ በረከት ስምዖን ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፡ ሥነ ሥርዓት ቀብሪ ቀዳማይ ሚኒስተር አፈጻሚ ሸውዓተ አባላት ዝሐቆፈ ሀገራዊ ቤት ምኽሪ ተመስሪቱ አሎ፣
ካብ ዝተፈላለዩ ሀገራት ዓለም ናይ ሐዘን መግለጺ ንፈዴራል ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ይውሕዝ ከም ዘሎ ካብ አዲስ አበባ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ፣
ሬሳ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ሎሚ ብናይ አዲስ ሰዓት አቆጻጽራ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 11 አዲስ አበባ አትዩ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.