2012-08-23 14:13:53

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ንከለዳውያን ማሕበር ደናግል ንጽሕት ድንግል ማርያም መሪሕ ቃል ለጊሶም


ትማሊ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ዝተሳተፋ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳውያን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ደቂ ንጽሕት ድንግል ማርያም ማሕበር ደናግል ተቐቢሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ኣብቲ ንዅሉ ጽንኩር ኩነተ ዝኸበቦ ማእከላይ RealAudioMP3 ምብራቕ ንናይ ማሕበረ ክርስትያን ህላዌን ንእስልምና ሃይማኖት ሰዓብቲ ብሓፈሻኡ ንሕዝቢ ዒራቕ ዝፍጽምኦ ኣገልግሎት ንኢዶም፣ ማእከላይ ምብርቕ ኣብ ጸሎቶም ዝኩር ምዃኑ ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ እቲ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሪሚኒ ብናይ ሱታፌን ሓርነትን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ በቢ ዓመቱ ኣብ ዝዳለው ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ዓወደ መጽናዕቲ መደብ መሰረት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 19 ነሐሰ 19 ዝጀመረ ናይ ለብዘበን ዓወደ መጽናዕቲ፣ ናይ ባግዳድ መንበረ ጥበብ ዋና አመሓዳሪ ፕሮፍፈሰር መህዳት ምስክርነት ዝሃብሉ ብዛዕባ ዒራቕ ዘተ ከምእተኻየደ ነቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝከታተሉ ዘለዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፈደሪኮ ፒያና ገሊጾም።
ፕሮፈሰር መህዳት ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒያና ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ህላዌ ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ዒራቅ ክፍሊ ታሪኽ ቀዳማይ ዘመን ምዃኑን ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ናይ ዒራቕ ሕንጸት እቲ ዝዓበየ ኣበርክቶ ዝፈጸመ ክፍሊ ማሕበረሰብ ዒራቕ እውን እዩ። መምሃራን ሓኻይም ኣብ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት መዳያት ዝለዓለ ሓላፍነት ዝነበሮ ኣዩ ኔሩ። ኣብ ብዝሒ ሕዝቢ ዒራቕ 20 ሚእታዊ ዝሽፍን ዝነበረ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዒራቕ ኣብዚ እዋንዚ ናብ 5 ሚእታዊ ወሪዱ ኣሎ። ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዒራቕ ዝፈላለ እውን እንተኾነ በሓፈሻኡ ዘሎ ህሉው ኩነታት ዒራቕ ንማሕበረ ክርስትያን ጽንኩር ምዃኑ ገሊጾም፣ ጸረ ክርስትያን ዝሓቀነ ውዲት ዘሎ እዩ ዝመስል። ስለዚህ ንማእከላይ ምብራቕ ማሕበረ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ምዕራብ ሃገራት እውን ንማሕበረ ክርስትያን ክሕሰብ ይግባእ። ንመላእ ማሕበረ ክርስትያን ምሕሳብ ክጅመር ኣለዎ። ማሕበራዊ ሰላም ንምህዋኽ ዝሓቀነ ጉጅለ መታን ከይዕወት፣ ኣብ ምክብባርን ምቕብባልን ዝኣመተ ሰላማዊ ውሁድ ናብራ ንምርግጋጽ ድጋፍ ነቲ ዝጉዳእ ክፍሊ ሕብረተሰብ ካብ ዝብል ተግባር ክብገስ ኣለዎ ኢሎም።
ካብ 2003 ዓ.ም. ንነጀው ዘሎ ኩነታት ዒራቕ ብዝሓለፉ ናይ ሰላሳ ዓመት ማዕቀብ ኤኮኖምን ውግእን ብዘስዓቦ ሽግራት ዝተጸልወ እዩ። ስለዚ ንዝበለጸ ምምሕያሽ ንናይ ዒራቕ ኤኮኖሚ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ምርግጋእን ውሕስነት ጸጥታን ድሕነትን ንኽረጋገጽ ዝኣመተ ኵለ መዳያዊ ህርኩት ጻዒር ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.