2012-08-21 15:19:58

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ፍቕሪ ብሓቂ ናይቲ ጥዑይን ሓናጽን ቲዮሎጊያዊ ዘተ ዕላማ እዩ”


ትማሊ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ በርናርዱስ በዓለ ኪያራቫለ ኣኽቢራ ከምዝውወዓለት እንክምልከት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ንተኸታታሊ ሰለስተ ረቡዕ RealAudioMP3 ኣብቲ ኣብ 12 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሲታዊ ኣበ ምኒየት ዓቢይ ቅዱስ ወዲ ቤተ ክርስትያን ርእሰ ጉዳይ ገይሮም ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
ቲዮሎጊያ፣ ብጸሎትን ኣስተንትኖን እንተድኣ ዘይተሓንጸ ባዶ ናይ ስነ ፍልጠት ልምምድ ጥራሕ ኰይኑ ከምዝተርፍ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ቅዱስ በርናርዱስ በዓል ኪያራቫለ እንክዛረቡ ዝበልዎ ሓሳብ ከምዝኾነ ክዝከር እንከሎ፣ ቲዮሎጊያዊ ክትዕን ዘተን ኣብ ቤተ ክርስትያን ካብ ጥንቲ እትሒዙ ዝነበረ ኰይኑ፣ ኣብ 12 ክፍለ ዘመን ኣብ መንጎ ቅዱስ በርናርዱስን ኣበላርዱስን ተኸሲቱ ዝነበረ ቲዮሎጊያዊ ክትዕ ቅዱስ ኣቦና ዘኪሮም፣ ቅዱስ በርናርዱስ ኣብ “ናይ ልቢ ቲዮሎጊያ ዘተኰረ ህያውን ዓሚዩቕ ውሽጣውን ተመክሮ ምስ እግዚኣብሔር ዘነቓቕሔ” ከምዝዀነ ክሕብሩ እንከለዉ፦ “ንቅዱስ በርናርዱስ በዓለ ኪያራቫለ እውነተይና ፍልጠት ብዛዕባ እግዚኣብሔር ኣብቲ ዓሚዩቕ ውልቃዊ ርክብ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሩን ዝጸንዕ ከምዝኾነን፣ እዚ ኣመለኻኽታን ተመኵሮን ንዅሉ ክርስትያን ዋጋ ዘለዎ እዩ። እምነት ቅድም ቀዳድም ዓሚዩቕ ውልቃዊ ርክብን ምስ ኢየሱስ ማለት ምዃኑን፣ እዚ ናቱ ናባና ምቕራብን ዕርክነቱን ፍቕሩን ተመክሮና ክንገብሮ እንከሎና ጥራሕ እዩ እዚና ክንፈልጦን ከነፍቅሮን ክንስዕቦን እንኽእል፣ እዚ ድማ ኣብ ኩላትና ክረጋገጽ ተስፋ እገብር” እንክብሉ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ረቡዓዊ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
ቅዱስነቶም ኣብ መንጎ ቅዱስ በርናርዱስ በዓለ ኪያራቫልን ኣበላርዱስን ዝነበረ ቲዮሎጊያዊ ክትዕ ኣበላርዱስ ጌጋታቱ ተኣሚኑ ኣብ መንጐኦም ብዝተበጽሔ ምሉኣዊ ስምምዕ ከምእተዛዘመን ገሊጾም፣ እዚ ስምምዕ’ዚ “ከም ኣብነትን መሠረታዊ መወከሲኡ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ምዃኑ ዘይዝንግዕ ትሕትናን ኣድላይነት እውነተይናን ጥዑይን ቲዮሎጊያዊ ክትዕን ምንጽጻርን” ዘመልክት ምዃኑ እንከረድኡ፦ “ኣብ መንጐ እዞም ዓበይቲ ናይ ስነ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ተመክሮ ክትዓቶም ዘቃልሖን ብኽብሪ ዝግለጽን፣ ኣብ ዝኾነ ይዅን ቲዮሎጊያዊ ክትዕ ናይ ቤተ ክርስትያን እምነት ምዕቃብን ሓቂ ብፍቕሪ ተዓዋቲ ምግባር እዩ። እዚ ኣረኣያን ጠባይን’ዚ ወትሩ እቲ ሸቶ ሓቂ ምድላይ ምዃኑ ከይተዘንግዔ ድማ እብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ንዝህልውን ዝካየድን ምንጽጻርን ዘተን ጠባይ ክኸውን ኣለዎ” ኣንክብሉ ዕለት 4 ሕዳር 2009 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.