2012-08-18 14:24:40

ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሱታፌን ሓርነትን፦ “ርክብ ኣብ መንጎ ሰብን ኢታእላውን”


ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሪሚኒ በቢ ዓመቱ “Comunione e Liberazione- ሱታፌን ሓርነትን” እተሰምየ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ዘዳልዎ ዓወደ መጽናዕቲ ብምቕጻል “ሰብኣዊ ባህርይ ርክብ ምስ ኢታእላው ኣዩ” RealAudioMP3 ብዝብል ጠቕላሊ ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብታ ናይቲ ማሕበረሰብ ሱታፌን ሓርነትን መሥራቲ ነፍሰ ሄር ክቡር ኣባ ልዊጂ ጁሳኒ “ሃይማኖታዊ ስምዒትን ትርጉምን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓባይ ናይ መጽናዕቲ ሰነዳዊት መጽሓፍ ኣደጊፉ ዝካይዶ ናይ ለምዘበን 2012 ዓ.ም. ዓወደ መጽናዒት ዕለት 19 ነሐሰ 2012 ዓ.ም. ናይ ሪሚኒ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ላምቢያሲ ብዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክጅመር ምዃኑ እንክምልከት፣ ኣብቲ ዝካየድ ዓወደ መጽናዕቲ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግሥት ማሪዮ ሞንቲ ኣስተምህሮ ካብ ዘቕርቡ ሓደ ምዃኖም ናይቲ ማኅበርሰብ መግለጺ ሓቢሩ።
ብዛዕባ ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ ርእሰ ጉዳይ ኣመልኪተን ናይቲ ማኅበርሰብ ጨንፈር ንሕውነታዊ ኣህዛብ ጉባኤ ማኅበር ሊቀ መንበር ኤሚሊያ ጓርኒየሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፦ ብዙሕ ጊዜ ዝዝንጋዕ ሃይማኖተይናነት ባህርይ ሰብ፣ ካበይን ናበይን ዝብሉ መሠረታውያን ናይ ህላዌ ሕቶታት ካብ ሕሊና ሰብ ፈጺሙ ዘይሓክኽ እዩ። መላእ ናይ ወዲ ሰብ ሕይወት ድላይ ፍትሕን ሓጎስን ጽባቔን ኰይኑ እዚ ድላይ’ዚ ግን ምሉእ ርውየት ዘይረኸበ ኮይኑ እዩ ዝነበር፣ ናይዚ ዘይምርዋይ’ዚ መሠረት ድማ ሰብ ትርጉምን ስምዒትን ሃይማኖት ስለ ዘጥፍኤን ከምኡ እውን ሰብኣዊ ባህርይ ርክብ ምስ ኢታእላው ምዃኑ ንምውጋድ ካብ ምፍታን ዝምጭው እዩ። ስለዚህ ሰብ እቲ ዘለዎ ባህርያዊ ርክብ ምስ ኢታእላውነትን ሰብ ንኢታእላውነት ዝተፈጥረ ምዃኑ እዩ ዝሕብር” ኢለን።
“ሰብ ተራኻቢ ምስ ገዛእ ርእሱን ከባቢኡን ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉን እዩ፣ ናይዚ ተራኻብነት ምዃን መሠረት ድማ ናይ ኢታእላውነት ባህርያዊ ዝምባለኡ እዩ” እቲ ናይ ለምዘበን ናይ ሪሚኒ ዓወደ መጽናዕቲ ብዝተፈላለዩ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ባህላዊ ዘተን ምርኢታዊ መግለጽታትን ዝስነይ ከምዝኾነን፣ ልዕሊ 4 ሺሕ ተጋባእያን ከምዝሳተፉን፣ ናይ ስነ ሃይማንት ስነ ታሪኽ ሊቅ ብፁዕ ካርዲናል ኹሊየን ራይስ፣ ፕሮፈሰር ሾዶ ሃቡካዋ፣ ጃፓናዊ ናይ ሙርዮኮ ገዳም ኣበ ምኒየትን ብፁዕ ካዲናል ቱራንን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ጠቕላሊ ጉባኤ ኣቦ መንበርን ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳርን ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ጁሊዮ ትርዚን ካልኦት ዓበይቲ ሊቃውንቲ ኣስተምህሮ ዘቕርብሉ ዓወደ መጽናዕቲ ምዃኑ ገሊጸን ዝሃብውኦ ቃለ ምልልስ አጠቓሊለን።







All the contents on this site are copyrighted ©.