2012-08-18 14:15:41

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፦ “እምነት ኣብ ዓለም ብጭቡጥ ክርአይ ዝገብር መንጫዕጫዕታ ብርሃን እዩ።”
ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ማድሪድ


ድሕሪ እቲ ኣብ ኮሎንን ቀጺሉ ኣብ ሲድነይ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 21 ነሐሰ 2011 ዓ.ም. “ኣብ ክርስቶስ ተሰሪትኩምን ጸኒዕኩምን…ከምቲ ዝተመሃርኩምዎ ኣብ እምነት ጽንዑ። (ቈላ. 2 ፍቕዲ 7) ኣብ ዝብል ቃል ሓድሽ ኪዳን ተመስሪቱ ኣብ ማድሪድ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ RealAudioMP3 መዓልቲ መንሰእያት ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ትማሊ
ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ሩዎኮ ቫረላ ኣብ ስፐይን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብናይ ምስጋና ስርዓተ ኣምልኾ ክዝከር ንምእመናን ሓደራ ከምዝበሉ ካብ ሰበኻ ማድሪድ ዝተመሓላለፈ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ብኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዝሰናደው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዓለምን እግዚኣብሔርን ዘራኽብ ውጽኢቱ ድማ ንመላእ ቤተ ክርስትያን ሃብቲ ከምዝኾነን ኣብቲ ካብ ዝካየድ ቀዳማይ ዓመቱ ዝዝከር ዘሎ ኣብ ማድሪድ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ተረኺቦም ኣብ ዝለገስዎ መሪሕ ቃሎም ገሊጾም “ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝተነጸለ ፍጻሜ ዘይኰነስ ክፍሊ ናይ ሓደ ዓቢይ ንግደት ከምዝዀነ” ሓቢሮም፦ “ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ሓደ ዓቢይ ምልክት፣ እምነትን ህላዌ እግዚኣብሔርን ኣብ ዓለም ብጭቡጥ ክርአ ዝገበር ኣማኒ ናይ ምዃን ብርታዔ ዝፈጥር እዩ። ኣብ ዓለም ብዙሕ ግዜ ኣማንያን ዝተነጸሉን ጽሙዋ ዝወሓጦም ተመሲሉ ዝርኤ’ኳ እንተዀነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣማንያን በይኖም ከምዘይኰኑን ክፍሊ ናይ ሓደ ዓቢይ ኣማኒ ማኅበርሰብ ከምዝዀኑን፣ ኵላዊ ሕውነትን ምሕዝነትን ዝንበረሉ ፍጻሜ ከምዝዀነ” ዕለት 18 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ኣብ ዘስምዕዎ ምዕዳን ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
ኣብቲ ናይ ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መኽፈቲ ኣብ ኣደባባይ ሲበለስ ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንሰያት ኣብ ጐድኒ ክርስቶስ ኰይንካ ዘይምጐዓዝ ጌጋ መገዲ እግሪ ክትኽተል ዝድርኽን ከምዝኾነን ስለዚ ኣብቲ ጽኑዕ ከውሒ ዝዀነ ክርስቶስ ጸኒዕካ ክንበር ከምዘለዎ ብምምልካት፦ “ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ናይ ቤተ ክርስትያን ህያውነት ብዝምስክር ጽዑቕ ጸሎትን መንፈስ ሕውነትን ክንበር ከምዘለዎን፣ እዚ ጸጋ’ዚ ምስ ኵሉ ተኻፊልካ ምንባር ዝረጋገጸሉ ቅዱስ ኵነት እዩ” ከምዝበሉን፣ ዕለት 20 ነሐሰ 2011 ዓ.ም. ኣብ ኩኣርቶ ቬንቶስ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ብዝተፈጸመ ኣስተንትኖ ዝተጠቓለለ ኣብ ዝተኻየደ ዋዜማ፣ ዕርክነት ምስ ኢየሱስ ካብ ዝተፈላለየ ናይ ሕይወት ዕንቅፋት ዝሓየለ ከምዝኾነ ክገልጹ እንከለዉ፦ “ፍቱዋተይ እዚ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ዝግበር አስተንትኖን ናይ ጸሎት ዋዜማን እቲ ፈጺሙ ካብ ኣእምሮ ዘይሕከኽ ናይ ሕይወት ተመኵሮ ኵይኑ ከምዝተርፍን፣ እታ እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትኵም ዝዀለዓ ሃልሃልታ ዓቅብዋን ተኸናኸንዋን፣ ዝናም እውን እንተወረደ ከይትጠፍእ መታን በቢ ዕለቱ እናሓብሓብኩም ነቶም ኣብ ጸልማት ዝነብሩን ኣብ ጉዕዞኦም ብርሃን ነዘናድዩ መስክርዋ” ከምዝበሉ ዝዘከረ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣስዒቡ፣ እዚ ስልጣናዊ ለበዋ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናብ ዓለም ኵሉ ኪዱ ወንጌል ስበኹ ዝብል ተልእዀ ዘዘኻኽር ምዃኑ ኣብቲ ናይ ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መንሰያት መዕጸዊ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣነጺሮም፣ ካብ ክርስቶስ ንዝቐርብ ጸዋዕታ ዕርክነት ለጋሳትን ተባዓትን ምዃን የድሊ፣ ክርስቶስ ብዘይ ቤተ ክርስትያን ምስዓብ ዘይከኣል እዩ እሞ፣ መንሰያት ነታ ብእምነትን ኣብ እምነትን እትወልዶም ቤተ ክርስትያን እሙናትን ኣፍቀርትን ክዀኑ ከምዝመዓዱ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.