2012-08-17 11:48:45

፬ ሰንበት ዘክረምት 2004 ዓ.ም. 22ሓምለ 2004 ዓ.ም. (07/29/2012)


መዝሙር፡ በቀዳሚ ገብረ . . . . . . ።
ንባባት፡ ኤፈ 4፡1~6፥ 2ጴጥ 3፡15~ፍ፥ ግ.ሓ. 27፡21~33፥ ዮሓ 6፡1~15።
ምስባክ፡ ዘያበቁል ሣዕረ ለእንስሳ፥ ወሓመልማለ ለቅኔ እጓለእምሕያው፥ ከም ያወጽእ እክለ እምድር። “ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ክርከብ ፥ ንእንስሳ ዝኸውን ሣዕሪ ዘብቁል፥ ንጥቕሚ ሰብ ከአ ተኽሊ አብቆልካ” መዝ. 104፡14~15።
መዝሙር፡ አብ መጀመርያ እግዚአብሔር ሰማይን ምድርን ፈጠረ ብሰንበት ንኹሉ ፈጢሩ አዕረፈ፥ ንኖኅ እትድሕነሉ ታቦት ግበር በሎ፥ ምሳኻ ንዘለዓለም ኪዳን ክአቱ እየ ንምድሪ ካልአይ ጊዜ ብማይ አይኂ ከየጥፍአ። ንምድሪ ሣዕርን ጠለትን ክረምትን ሓጋይን ዘርእን ፍረን ክህባ እየ። እዚ ኸአ እዩ ጸጋ እግዚአብሔር ንሱ ንዝበሎ ቃሉ አይሕስውን እዩ።
እዋን ክረምቲ ብዕምቆት እንተ ረኤናዮ ፍሉይ ሓበረታን መልእኽትን ንርእየሉ። ምድረ ሰማይ አብ ሓማላይ ይልወጥ ኩሉ ብሓጺር ጊዜ ክዓቢ ንርእዮ። አብ ፍረ በጺሑ ንኹሉ ተስፋ ይህቦ። ሰብን እንስሳን ዋሕስ ሕይወቶም አብ ግብሪ ይርእይዎ እዚ ኹሉ ብመለኮታዊ ኃይሊ እምበር ብአና ከምዘይኮነ ኩልና ንአምነሉ። ንተፈጥሮ ርኢና እንተ ኸአልና ምስጢር አምላኽን ሓልዮቱ አባናን ክርኢ ንኽእል። ናይ ሎሚ መዝሙር አምላኽ ኪዳኑ ከምዘይጠልም ይነግረና። ካባና ግን እምነት ገርና ክንጉዓዝ ይደልየና።
አብ ናይ ሎሚ ንባባትና እንተ ረኤና ብፍላይ አብ መልእኽቲ ኤፈሶን ከምኡ ወንጌል ምስእዋኑ ዝሰማማዕ ብዛዕባ መግቢ ብማዕለ ከምቲ ሓሳብ ዓዳሊ አምላኽ ማዕረ ገርና ክንእድል ከም ዝግባእ ይዛረብ። መግቢ አብ ሕይወት ፍጡራት ናይ ህላዌን ሞትን መርአያ እዩ። መግቢ እንተሎ ሕይወት አሎ መግቢ ክስኣን እንከሎ ኩሉ ይጭነቕ ስለዚ መግቢ ወሳኒ እዩ። አብ ብሉይ ኪዳን ነዚ ናይ ሎሚ ንባባት ዝሰማማዕ አብ 2ዘነገ 4፡42~44 ነንብብ። ኤልሳዕ ነቢ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ብተአምራት መግቢ ከምዝበልዑ ከምዝገበረ ነንብብ። እቶም አብቲ ኤልሳዕ ዝነበሮ ዝመጹ ሰባት ቃሉ ክሰምዖ ክምሃሩ ጽምአት ቃል አምላኽ ነርዎም። ካብ ኤልስዕ ቃል ሕያው አምላኽ ክሰምዑ መጺኦም። ብዕስራ ቅጫ እንገራ ካብ ሚእቲ ንላዕሊ ህዝቢ መጊቡ። አብዚ ኤልሳዕ ነቲ መግቢ ክዕድሉ ነቶም ተኸተልቱ ይነግሮም ሓደ ካብቶም አርድእቱ ይጠራጠር እዚ ከመይ ኢሉ ክአክል እናበለ ይዛረቦ እንተኾነ ኤልሳዕ ኪድ ዝብለካ ግበር ይብሎ እሞ ከምቲ ዝበሎ ይገብር ጸጊቦም አትሪፎም። አብዚ ብንጹር እንርእዮ እግዚአብሔር ብኤልሳዕ ገሩ ብክልተ መገዲ ንህዝቡ ይምግብ ፩ያ ነቶም ጠምዮም ዝነበሩ ነቲ እንገራ ብምብራኽ የብዝሖ እሞ ኩሎም ካብ ዝነበሮም ጥመት መግቢ ይረኽቡ። ፪ይ ቃል አምላኽ ካብ ኤልሳዕ ብምስማዕ ካብቲ ዝነበሮም ኃጢአት አብ አምላኽ ክምለሱ ይንገሮም። አብቲ እዋን ናይ ብዓል ዝብሃል አምልኾ ጣኦት ገኒኑ ዝነበረሉ እዋን እዩ ብዙሃት ነቲ ሓቀኛ አምላኽ ሓዲጎም ናብቲ ጣዖት የምልኹ ነሮም ብኤልሳዕ ገሩ ክምለሱ ይነግሮም። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ብጸግኡ ክምግበና ምስ ደለ እዩ።
ዘመና መለልይኡ ጥመት ጭንቂ እዩ ኮይኑ ዘሎ። አብ ኩሉ ክፍላት ዓለምና ገለ ሰባት ነቲ አምላኽ ዝዓደሎ ብርትዒ ማዕረ ገርካ ብዘይምምቓል ብዘስዓቦ ገለ ኸአ ንግጉይ ርድኢቶም ቀዳምነት ብምሃብ ንሃገር አብቲ ንሶም ዝደልይዎ ጥራሕ ሒዞም ህዝቢ ከም ዝጠሚ ዝስደደ ዝገብሩ፥ ገለ ኸአ ጉቦን ዓመጽን ብምብዛሕ ንሃገሮም አብ ጥመትን ሽግርን ዝሸሙ፥ ገለ ኸአ ኩሉ ጊዜ አብ ፍልልይ ዓለት ሃይማኖት ከምኡ ናይ ደርቢ ፍልልይ ሃብታም ድኻ ኢሎም ንሃብቲ ሃገር ውሑዳት ወኒኖሞ ብጥመት ክሳቐዩ ይርኤ። ዓለምና ረኺባቶ ዘላ ስቓይ ብዙሕ እዩ መብዝሕትኡ ባዕልና ደቂ ሰብ ካብ መገዲ አምላኽ ምስ ወጻእና ዘምጻእናዮ እዩ። ቀዳማይ መፍትሒኡ አብ አምላኽ ምምላስ እዩ። አምላኾ ርእስና ሓዲግና አብ መገዲ አምላኽ ክንምለስ ከሎና ዓለምና ንኹልና እትአክል እያ። አምላኽና ክንሳቐ ክንበኪ ዝደሊ አይኮነን፥ ክንሕጎስ ኩሉ ሰናይ ክኾነልና እዩ ዝደሊ።
ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን ዝጸሓፋ ክምቲ አምልኽ ሓደ ዝኾነ ንሕና ኸአ ሓደ አካል ኢና እሞ አብ ኩሉ ክንሓብር ይደልየና። ብፍቕሪ ሓደ ኮና አብ ኩሉ ነገር ሓድነት ክነርኢ አብ ሓደ ክርስቶስ ክንሓብር ይግብአና። “ነቲ ዝተጸዋዕክምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኳንኩም ክትነብሩ እልምነኩም አሎኹ፥ ብሓቂ ትሑታት ከምኡ እውን ለዋሃት ኵኑ ነሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተፃወርኩም ከአ ዕጉሳት ኩኑ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኸብኩምዎ ኅብረት ብማእሰር ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልውዎ ተጋደሉ” ኤፈ 4፡1~3። ክርስትያን ማለት አብ ክርስቶስ ሓቢሩ ብመገዲ ክርስቶስ ዝኸይድ ንሓቅን ፍቕርን ዓለማ ሕይወቱ ገሩ ዝነብር እዩ። ነዚ ቅዱስ መንፈስ ክንለብስ ኩሉ ጊዜ ክንጋደል የድሊ። ለበዋ ጳውሎስ ሎሚ እውን አባና ክድገም ንሰምዖ አሎና። ናይ ሓድነትና መሰረት ክገልጽ እንከሎ አብ ሓንቲ እምነትን ሓንቲ ጥምቀትን ኢና ዝተሰረትና ይብለና። እዘን ክልተ ጸጋታት አብ ትሕትና ለዋህነት፥ አብ አኽብሮት አድሕድ አብ ትዕግስቲ ብሓጺሩ ነቶም ኩሎም አብ ሰላም ከነብር ዝሕግዙና ጸጋታት ከምእንረክብ ይገብሩና። ቅዱስ ጳውሎስ አብዚ ርድኢት ተመስሪቱ ክንከዶ ዘሎና ሕይወት ክሕብር እንከሎ በዚ ዝስዕብ ሓሳባት ይገልፎ ይገልጸልና።
አብ ነነድሕድና ክንተሓጋገዝ እሞ ፍቕሪ ክነብዝሕ፥ ካብ ንአይ ጥዓመኒ ጥራሕ ዝብል መንፈስ ክንወጽእ፥ ሰብ ክቡር ስለ ዝኾነ ክነኽብሮ መሰሉን ዝግብኦን ክንገብረሉ፥ ብትዕግስቲ ንኹሉ ክንመርሕ ይምዕደና።
ነፍስወከፍ ልዕሊ ኹሉ አብ መንጎ ንዝርከብ ሓድነት ክሰርሑ መንፈስ አብ ሰላም ዝተሰረተ መምርሒ ገሮም ክጉዓዙ።ንሕና ንአምላኽ ክሓጉሱ ዝተአኻኸቡ ውልቀሰባት አይኮናን፥ ንሕና ሓደ ሰውነት ሰውነት ክርስቶስ ኢና እነቕውም፥ ሓንቲ ማሕበር ኩልና ብሓደ ፍቕሪ ተጠሚርና እንነብር አብ ነነድሕድና ብፍሉይ እንተሓላለ ሰባት ኢና። ቅዱስ ቍርባን ናይ እዚ ኹሉ ምልክትና እዩ። ኩልና ካብ ሓደ መንፈስ እሞ ብሓደ ዝግብረና ካብኡ ዝወጻእና ኢና። አብ ሓንቲ ተስፋ ዝተጠርነፍና እሞ አብ ዳሕረዎት መዓልታት ብግሁድ ዝግለጽ እንጽበ ኢና። አብ ሓንቲ እምነት ተጠርኒፍና ነቲ ሓደ አምላኽ ክነምልኽ ዝተወፈና ኢና። አብ ሓደ አምላኽ አሚና በቲ ንሱ ዝሕብረና ሓንቲ መገዲ እንጉዓዝ ኢና። ሓንቲ ጥምቀት ኩልና ዝተቐበልናዮ ብአኡ አሕዋትን አሓትን ዝኾና ዓለትና ብዘየገድስ አብ ሓንቲ ሓዳስ ስድራ ዝተጠርነፍና ኢና።
አብ ሓደ ሓድነት ክንበጽሕ ብባዕልና አይንኽእሎን ኢና ናይ ኢየሱስ ሓገዝ የድልየና፥ ንሱ ከም እንጌራ ሕይወት ኮይኑ ክሕግዘና እሞ አብ ኩሉ ሕይወትና ንእንኸዶ መገዲ መታን ክምግበና ክንልምኖ አሎና።
ጳውሎስ ንሰብ ኤፈሶን ዝኸድዎ መገዲ ርእዮም ክኸዱ አብ መንግኦም ዘሎ ርክብ ከስተውዕሉሉ ከምኡ ልዕሊ ኹሉ አብ ክርስቶስ ዘልኦም ሕይወት መሰረት ሓድነቶም ገሮም ክርእዩ ይሕብሮም። እዚ ምኽሪ እዚ ሎሚ ንቤተ ክርስትያና ንህዝብና ንዓለምና የድልያ አሎ። ኩልና ደቂ ክርስቶስ ስለ ዝኾና አብ ኩሉ አመት አድሕድ ገርና ናይ ክርስቶስ መንፈስ ክነርኢ ፍቓደኛታት ኮና ክንርከብ።
ወንጌል ዮሓንስ ንሎሚ ዝተነበ ኢየሱስ ንኃሚሽተ ሽሕ ሰብ ከም ዘጽገበ ይነግረና። አብ እምባ ደይቡ ይብለና አብዚ ሙሴ ነብይ ክንዝክር ንኽእል አብ እምባ ሙሴ ትእዛዛት አምላኽ ንህዝቢ ክህብ ተቐቢሉ። ሙሴ አብ እምባ ንበይኑ እዩ ደይቡ ኢየሱስ ግን ንሓዋርያቱ ምስኡ ሒዝዎም ደይቡ እዚ ኸአ አብ ኩሉ ተልእኮኡ ከምዝሕግዝዎ ይሕብረና። ከምቲ ሙሴ ንህዝበ እስራኤል ንትምህርቲ አምላኽ ብሕጊ መልክዕ እሞ ብህብስቲ መና ዝመገበ ከምኡ እግዚአብሔር ብኢየሱስ በቲ ሓዲስ ሙሴ ገሩ ንኹሎም ነቶም አብኡ ዝቐርቡ ህዝብ መንፈስውን ስጋውን መግቢ ይህበና። አብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ተአምራት ተመስሪትና ብዙሕ ንመንፈሳዊ ሕይወትና ዝጠቅም ክንምሃር ንኽእል።
ኢየሱስ ክንጠሚ አይደልን እዩ። ኩልኹም ዝደኽምኩምን ጾር ዝበዝሓኩም ናባይ ንዑ ክብለና እንከሎ፥ ሓልዮቱን ጸግኡን እዩ ዘርኢ። አብ ዓለም ሰብ ብናይ ጥመት ሓለንጊ ክግረፉ ድላይ አምላኽ አይኮነን። መሬት ክትምግበና አብኣ ዝፈረ ኩሉ ብሓባር ክንበልዕ ሂቡና ከብቅዕ ሰባት ግን አብ ድለቶምን ውሳኔኦምን ኮይኑ ገለ ክጸግብ ገለ ክዋረድ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። እምብአር ነዛ ንኹልና ዝሃባ ዓለም ኩልና ብሓባር ክንጥቀመላ ድላይ አምላኽ እዩ። እቲ ዝዓበየ ጥመት ኮይኑ ዘሎ መንፈሳዊ ጥመት እዩ፡ ንክርስቶስ ክንምገቦ አብ ሕይወትና ክነወሃህዶ ዘይምኽአልና ዓቢ ደርቂ ወይ ጥመት ኮይኑ አሎ። እዚ ስጋይ እዩ እዚ ደመይ እዩ ካብኡ ተመገቡ ንአኡ እንተ በላዕኩምን ሰተኹምን አብ ሕይወት አሎኹም ኢሉና እዩ። ካብቲ መአዲ ሕይወት ክንሳተፍ ድላይ አምላኽ እዩ።
ንዝጠመዩ ክንምግብ ልኡኻት ንኹኖ። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ልኡኻቱ ኮይኖም ንህዝቢ ክምግቡ ልኢኽዎም። ሎሚ እንልአኽ ንሕና ኢና። ንጥሙይ ንጽሙእ እነርዊ ንዕሩቕ እንኸድን ንሕና ኢና። አብቶም መቕርብና ጥራሕ ተሓጺርና እንተ ተረፍና ጌና ትምህርቲ ወንጌል አይተሰቝረናን አሎ ማለት እዩ። ከም ተኸተልቲ ክርስቶስ ሰባት ቃል አምላኽ ከይጠምዩ ክነስምዖም፥ ጽዉዓት ኢና። ተለአኹኒ እናበለ ዕለት ዕለት ዝለአኽዎ ይሓትት አሎ። ንሓዋርያቱ ዝብላዕ ሃብዎም ኢልዎም ሎሚ ንአና እውን ንሰባት መንፈሳውን ዕለታዊ መግብን ክንህብ ይደልየና። ንስኡን ሂበ እፈልጥዶ? ኢልና ሕልናና ንሕተት።
ክነመስግን ይግብአና። ንዋሃቢ አምላኽ ተመስገን ኢልካ ምኽአል። ዓለም ሎሚ ዝተሳእነ ዘየሎ ሃነፍነፍ ኩሉ ክብል ንርኢ አሎና። እንተ ኾነ ነቲ አምላኽ ዝሃበና እንተ ረኤና ሎሚ ካብ ቀደም ዝያዳ አሎና። ጸጊሙ ዘሎ ብጸገም ሓውና ሕልናና ዝትንክፈና ውሑዳት ኢና። ሓውና አብ አፍደገ ብመንፈሳውን ስጋውን ጥመት ዝሕግዞ ስኢኑ ክሳቐ እና ረኤና ሱቕ እንተበልና አብ ቁስሉ ቃንዛ ኢና እንውስኸሉ ስለዚ ልብና ክንከፍት እሞ መጀመርያ ነቲ ኩሉ ዝሃበና አምላኽ ክነመስግን ድሕሪኡ ኸአ ንጽጉም ክንረድእ።
ቃል አምላኽ ንሎሚ ዝተነበልና እምብአር በቲ ኩሉ ጽቡቕ አምላኽ ዝገበረለይ እንታይ ከፍሪ እኽእል ኢልና ሕልናና ክንሓትት እሞ አብ ሰናይ ምዝራእ ክንወፍር ይደልየና። አብ ርእስና ተዓጺና ንጥቕሚ ርእስና ጥራሕ ክንሓስብ እንተ ኾና ፍሪኡ ዓመጽ ስሳዐ ንፍገት ብዓቢኡ ኸአ አብ ቅትለት ሓውና ኢድ ክነእቱ ኢና፥ ማለት ብመንፈሳውን ስጋውን ነገራት ክነምክኖ ንኽእል፥ ሽዑ ዓለምና ዓመጽ ግፍዒ ዝበዝሓ ኮይና ትርከብ ካብዚ ዓዘቕቲ ክነወጽአ እሞ ናይ ኩሉ ክንገብራ ሎሚ አምላኽ ክንልአኾ ይደሊ አሎ።
ወንጌል ብዙሕ ህዝቢ አብ ኢየሱስ ገጾም ይውሕዚ ከም ዝነበሩ ይነግረና፥ እዚ ኹሉ ዝኾነ ነቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ርእዮም ስለ ዝኸአሉ፥ ዓቢ ጽምአት ንሓቂ ክፈልጡ ስለ ዝነበሮም ፥ ካብቲ ዝነበሮም ዝተፈላለየ ሕማማት ክሓውዩ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፥ ብኻልእ አዘራርባ አብ ሕይወቶም ምስ አምላኽ ምሉእ ሓድነት ክህልዎም ይደልዩ ስለ ዝነበሩ አብቲ ምንጪ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ ገጾም ይውሕዙ ነሮም። አብ ኢየሱስ ገጽና ክንጉዓዝ ሕይወትና አሓዲስና አብ መአዱ ክንሳተፍ። ኢየሱስ ክንቀርቦ ክንሰምዖ ይደሊ እዩ። አብ ደገ አብ ወጻኢ ክነብር አይደልየናን እዩ አብኡ ተመሊስና ናቱ ክንከውን እዩ ድላዩ። አብቲ ዝተጸወዕናሉ እሙናት ኮና ክነብር እዩ አምላኽ ዝደሊ።
ሎሚ አብኡ ቀሪብና ሕማምና ንሕወ፥ ካብ መአዱ ብጸጋን ንጽገብ፥ አብ ግራቱ ክነፍሪ ንውፈር። ንምስማዕ ቃሉን ንምኽታሉም ኃይሊ ይሃበና። አሜን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ







All the contents on this site are copyrighted ©.