2012-08-16 15:42:54

በዓለ ፍልሰታ ለማርያም
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ሕይወትና ኣብ ባዶነት ዝዛዘም ኣይኰነን፣ ኢታእላው ፍቅሪ እግዚኣብሔር እዩ ዝጽበየና”


ቅድስት ድንግል ማርያም ምድራዊ ሕይወታ ፈጺማ ብመንፈስን ስጋን ናብ ሰማያዊ ቤት ብኽብሪ ፈሊሳ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዕለት 1 ሕዳር 1950 ዓ.ም. ዘይከሓድን ዘይቅየርን ፍልሰታ ለማርያም ቀኖናዊ እምነት እንክብሉ ኣዋጅ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቤተ ክርስትያን ታሪኽ እንከመልከት፣ RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እዚ ሓቂ እምነት ፍጥረት ሰብ ኣብ እግዚኣብሔር ስፍራ ከምዘለዎ ዘረጋግጸልና እዩ እንክብሉ ትማሊ ብላቲን ስርዓት ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ምኽንያት ኣብቲ ንዕረፍቲ ኣብ ዝረከብሉ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ከባቢ ኣብ እትርከብ ቁምስና ቅዱስ ቶማስ በዓል ቪላኖቫ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ገሊጾም፣ ነቲ ስርዓት ቅዳሴ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ከምዝሓበርዎ፣ “ሁባሬ ማርያም ምስ እግዚኣብሔር ካባና ዘርሕቓ፣ ናብ ዘይፍለጥ ሰማይ ዝእትዋ ዘይኰነስ፣ ናባናን ንነፍሲ ወከፍና ቀረባ ዝገብራ ምዃኑ ገሊጾም፣ ምሉእ ብምሉእ ምስ እግዚኣብሔር ሓቢራ ድላይን ዝምባለን መላእ ክፍሊ ዝዀነ ፍጥረት ኵሉ ክኣትዎ ዝኽእል ዓቢይ ልቢ ዘለዋ ከምዝዀነት እዩ ዘረጋግጸልና። ስለዚ ኣብ እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ኣብ ወዲ ሰብ ውሽጢ ድማ ንእግዚኣብሔር ስፍራ ከምዘሎን፣ እዚ ህላወ እግዚኣብሔር ኣባና ብእምነት ዝረጋገጽ ነቲ ሕዙንን ዝተፈላለየ ጸገማት ዝረኣየሉ ዓለም ንዝዅልዕ እግዚኣብሔር ብእምነት ምዃናዊ መዓጹና ነቲ ሕይወት ዝህብ ሓይሊ ዝዀነ እግዚኣብሔር ብምርሃው ኣባና ክኣቱ ዝገብር እዩ። ገዛእ ርእስና ንእግዚኣብሔር ብምርሃው እንኸስሮ ወላ ሓደ’ኳ የልቦን፣ እኳ ደኣ ሕይወትና ዓቢይን ክቡርን እዩ ዝኸውን” ኢሎም።
ቀጺሎም ቅዱሰነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ፍጥረት ሰብ ክጽበዮ ዝግብኦ እናተብሃለ ብዛዕባ ብሉጽን ወይ ድማ ዝበለጸን ተስፋኡን ተባሂሉ ዝስበኽ ዓለም ዘቕርቡ ስነ ሓሳባት ዘኪሮም፦ እቲ ዝበሃል ብሉጽ ዓለም ክህሉን ዘይክህሉን ፍሉጥ ኣይኰነን፣ ብርግጽ ካብ እግዚኣብሔር ዘርሕቕ ዓለም ዝተሽበረን ዝኸፈእን እምበር ብምንም ተኣምር ዝበለጸ ክኸውን ኣይክእል እዩ። ህላዌ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ሰናይ ዓለም ከውሕስ ዝኽእል”። ቀጺሎም ክርስትያን ዝተረጋገጸ ተስፋ ከምዘለዎ ድማ እንከረድኡ፦ እግዚኣብሔር ይጽበየናን ይከናኸነናን የሰንየናን፣ ናብ ባዶነት ኣይኰናን እንጓዓዝ፣ ጽቡያት ኢና። እግዚኣብሔር ይጽበየናን ናብቲ ምስ ናይ ማርያም ለውሃትን ምስቶም ካባና ብሞት ዝተፈልዩ እንራኸበሉን ዘለዓለማዊ ፍቕሪ እንረኽበሉ ዓለም ንጓዓዝ። እግዚኣብሔር ይጽብየና፣ እዚ እዩ ድማ ካብዛ ዓባይ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ዝውለድ ዓብይ ሓጎስናን ተስፋናን” ምስ በሉ፣ ስልጣናዊ ስብከቶም እንክጠቓልሉ፣ ማርያም ፍስሃ ሕይወትና ምዃናን ኣብዚ ምድራዊ ንግደትና መጸናንኒዒትናን ተስፋናን ከምዝኾነት ክገልጹ እንከለዉ፦ “እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘሎና እምነት፣ እግዚኣብሔር ከበርትዖን ኣብቲ እንነብረሉ እግዚኣብሔር ብተስፋ ዝዕድለና ህሉው ኩነት ብሰናይ ክንነበር ኣብ ኣደኣዊ ኣማላድነታ ብተኣማንነት ንምሕጸን። እዚ ተስፋ ናፍቆት ሰማይ ዘይኰነስ ኣብዚ እንነብረሉ ዓለም ህያውን ተግባራውን ነቲ ኣብዚ ምድራዊ ጉዕዞና ዘይሕለሉን ዘይደኽሙን ነጋድያን ክንከውን ኣባና ብርታዔን ሓይልን ከምኡ እውን ናይ ፍቕሪ ብርታዔን ሓይልን ዝኾነ እምነት ዘኻዕብት፣ ድልየት ንእግዚኣብሔር እዩ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.