2012-08-16 14:55:26

ሉርድ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ መወዳታ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ስፍራ


ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ዕለት 14ን 15 ነሓሰ 2004 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በቲ ዝነበሮም ስቓይን ሕማምን ከይተሰናኸሉ ናይ መወዳእታ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑዶቶም ኣብ ሉርድ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ከምዝፈጸሙ እንክዝከር፣ ኣብ ሉርድ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ተረኺቦም ነቶም ኣብኡ RealAudioMP3 ተኣኪቦም ንዝነበሩ ብዝተፈለለየ ሕማም ንዝሳቐዩ መንፈሳውያን ነጋዶ ምሳኹምን ከማኹምን እየ ቢሎም ጸሎት ኩሎም ሕሙማን ናቶም ገይሮም፣ ከማኻትኩም ናብቲ ማርያማዊ ቅዱስ ሥፍራ መንፈሳዊ ነጋዲ ኰይነ ንማርያም ዝበጽሕን ነቲ ዓቢይ ናይ እግዚኣብሔር መደብ ዝኾነን ኣሰር መደብ እግዚኣብሔር ዝተነብሮ ምዃኑ ዘይሕከኽ ኣብዛ ዓለም እትነብርዎ ንሕይወት ዘጓንፍ ስቓይን መከራን ተኻፋሊ ኰይኖም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝሳቐዩ ሕዝቢ ዝቓይን መከራን ጸሎት ገይሮም ብእምነት ናብ እግዚኣብሔር ከቕርቡን ብኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እውን ከቕርቡዎ ናይ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ጸዋዕታኦም ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፣ ቀጺሎም ፍቱዋተይ ንኹላትኩም ቀረባ ኰይነን ምሳኻትኵም ሓቢረን ማርያም ናይ ወዳ ምጽንናዕን ቡራኬን ኣብ ነፍሲ ወከፍኩም ክወርድ ንዅሉኻትኩም ንኣደኣዊ ፍቕራ የቕርብ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር። ዕለት 15 ነሓሰ 2004 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ዘይርሳዕን ልቢ ኵሉ ዝተንከፈን፦ “በቲ ጊዜ እቲ ማርያም ንመገሻ ተበገሰት ቀልጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት…” (ሉቃ. ምዕራፍ 1 ፍቕዲ 39) ናብ ቤት ዘካርያስ እትያ ንኤልሳቤጥ ኣገልግሎታ ኣወፈየት። ማርያም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘድልዩ ኵሉ ትፈልጥ እያ። ነቲ ንሰብ ነዘድልዮ ኣገልጋሊት ኰይና ተማልድ፣ ብዘይ ገለ ሞሳ ብነጻ ገዛእ ርእሳ ትዕድል፣ እዚ ድማ እኖ ምዃና ዘረድኣና ቃለ ወንጌል እዩ እንክብሉ ከምዘስተምሃሩ ዝዘከረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣሲዒቡ፣ ካብ እግዚኣብሔር እንቕበሎ ጸጋ ሓላፋ ዘይኰነስ ከም ክርስቶስ ከነፍቅርን ልክዕ ከምቲ ንሱ ዘፍቅረና ንኻልኦት ከነፍቅር ዝተጸዋዕና ምዃንና ዘነጽርን ሓላፍነት ምዃኑ እውን ተንቲኖም፣ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ክነግስ ናይዚ ናይ ፍቕሪ ምንጪ ዝዀነ ክርስቶስ ማርያም ቀዳመይቲ በዓል ሕድሪ እያ። ካብ ወዳ ምሕረት ክንጽገው ከም ማርያም ትሑታት ንኹን ነቲ ናይ ሕይወት ማይ ክርስትና ሕራይ ንበሎ ከምዝበሉ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.