2012-08-14 14:37:51

ግብጺ፦ ውሳኔ ርእሰ ብሔር ሞርሲ


ናይ ግብጺ ርእሰ ብሔር ሞሃመድ ሞርሲ ናይ ግብጺ ሓይሊ ምክልኻል ጠቕላሊ ኣዛዝን ሚኒስትር ምክልኻልን ሑሰይን ታንታውን ናይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሳሚ ኣናን ካብ RealAudioMP3 መዝነቶም ከምዘኣለይዎም ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይ መንግስቲ ተቛማት ንምትዕንቓፍ ዘይኮነስ ምእንቲ ጥቕሚ ሃገርን ሕዝብን ዝወሰድዎ ውሳኔ ምዃኑ ከምዝገለጹ ክፍለጥ እንከሎ፣ በቲ ዘጽደቕዎ ውሳኔ ዝተሓጐሱ በሸሓት ዝቝጸሩ እስላማዊ ደገፍቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ ናይ ሓጐስ ድምጾም የስምዑ ከዘለዉ፣ ኰይኑ ግን ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ውሽጢ ርግኣት ዝነስእ ውሳኔ ኰይኑ ከምዘሎ ይምልከት።
ብዛዕባ ኣብ ግብጺ ዝረአይ ዘሎ ለውጥን ውሳኔ ርእሰ ብሔር ሞርሲ ናይ ስነ ማእከላይ ምብራቕ ሊቅ ኣቨኒረ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣሰናዳኢ ካሚለ ኤይድ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ኣብ ግብጺ ቆይሙ ዝነበረ ሕዝባውን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ብናይታ ሃገር ኣኽባሪ ቅዋም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ መሰረት ስለ ዝተበተነ፣ ናይ ወሳንን ሓጋግን ኣካል መዝነት ኣብ ዋኒን ሓደ ሰብ ክጠቓለል ዝድርኽ ክኸውን እንከሎ፣ ስለዚህ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ክፍጽሙ ፍሉጥ እውን እንተነብር ብኸምዚ ቅልጣፈ ከረጋግጽዎ ዝብግል ግምት ግን ኣይነበረን ኢሎም።
ናይ ግብጺ ሕዝባዊ ባይቶ ዝለዝተበተነ እቲ ናይ ሓጋጊ መዝነት ኣብ ኢድ ሓይሊ ምክልኻል እዩ ኔሩ፣ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ሊቀ መንበር የለን ስለዚህ እዚ ምዝነት ኣብ ኢድ ርእሰ ብሔር ሞርሲ ክወድቕ ገይሩ እዩ እዚ ድማ ብዙሕ ንጹር ዘይኰነ ዓይነት ከይዲ መንስቲ እዩ ዝፍጠር ዘሎ። ቤት ምኽሪ ሓይሊ ምክልኻል የለን፣ ስለዚ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሓይሊ ምክልኻል ብርእሰ ብሔር ሞርሲ ብዝተምረጸ ሚኒስትር ሓይሊ ምክልኻል ዝዅኑ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ይምራሕ ዶ ይኸውን፣ ሕዝባውን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ስለ ዝተበተነ መዝነት ሓጋጊ ኣብ ኢድ ሓይሊ ምክልኻል ድዩ ክጸንሕ ዝብሉ ሕቶታት ብዙሓት ከልዕሉ ናይ ግድን እዩ።
እቲ ዘሎ ቀዋሚ ኣካል እንተድኣ ብጽቡቕ ዘይከደ ኣብ 15 መዓልቲ ሓድሽ ቀዋሚ ኣካል ክቐውም ዝብል መርሓ መገዲ ሎ፣ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ውሽጥ እንተድኣ ኣዚ ኵሉ ዘይተረጋገጸ ሕዝቢ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓገሩ ቅዋም ውሳኔ ክህብ ክጽዋዕ እዩ በዚ መሠረት ሓድሽ ሓጋጊ ምርጫ ክፍጸም እዩ። ኰይኑ ግን ንምርግጋጹ ናይ ሓደ ዓመት ገደብ ዝሓትት ጉዳይ እዩ ኢሎም።
ርእሰ ብሔር ሞርሲ ክልተ ናይ ወተሃደራዊ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ካብ ስልጣኖም ዝኣለዩ እውን እንተዀነ ከም ምኒስትር ሓይሊ ምክልኻል ኣባል ሓይሊ ምክልኻል እዮም መሪጾም፣ ስለዚህ እቲ ናይ ሓይሊ ምክልኻም መዝነት ሚኒስተር ብሔር ኣይገበርዎን፣ ከምዚ ብምዃኑ ኣብታ ሃገር መዝነት ሚኒስተር ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ኢድ ኣባል ሓይሊ ምክልኻል ክኸውን ዝብል ዝጸንሔ ባህሊ ዝኽተል እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.