2012-08-14 14:28:52

ኣባ ሎምባርዲ፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ቫቲካን ቤት ፍርዲ ደያኑ ዕዩ ኣኽባሪ”


ናይ ቫቲካን ላዕለዋይ ገበን ኣጻራዪ ቤት ፍርዲ ሱቱር ሰነዳት ቫቲካን ብምጹላቕ ዝተፈጸመ ገበን ኣመልኪቱ ኣብ ልዕሊ ተሓታቲ ዝፈጸሞ መርመራ ናይ ተግሳጽ ሰነድን ፍርዲ ክወሃብ ዝብል ብወግዒ ዘቕረቦ ሰነድ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ RealAudioMP3 ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ንጋዜጠይናታት መግለጺ ከምዝሃቡሉ ክምልክት እንክሎ፣ ኣባ ሎምባርዲ ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዝተፈላለዩ ተቛማት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ ሓላፍነትን ኣገልግሎትን መዝነትን ናይ ጽኑዕ ውህደት ምክብባርን ብዝዓሰሎ መንፈስ ናይ ቫቲካን ቤት ፍርዲ ርእሰ ምምሕዳርን መዝነት ብምኽባር ብዛዕባ ብሕቡእ ዝተሰትሩ ሰነዳት ቫቲካን ብምጽሏቕ ዝተፈጸመ ገበን ንኽጻረይ ጽኑዕ ናይ ግልጽነት ድላይ ከምዘሎ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቫቲካን ቤት ፍርድን ናይ ምጽራይ ውጽኢታቱን ምሉእ ብምሉእ ዘኽብሩ ምዃኖም ኣብ ጉዳይ ዕዮ ቤት ፍርዲ ቫቲካን ምንም ዓይነት እደ ኣታውነት ብዘይ ምግባር ዝገልጽዎ እውን እንተኾነ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ልዕሊ ናይ ቅድስቲ መንበር ተቛማትን ቤት ፍርዲ ቫቲካንን ናይ መርሕነት መዝነት ዘለዎም ብምዃኑ እደ ኣታውነት ክገብሩ ጴጥሮሳዊ መሰልን ስልጣንን ኣለዎም ኢሎም።
ኣባ ሎምባርዲ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ገበን ቀዳማይ ናይ ቤት ፍርዲ ናይ ምጽራይ መርመራ ብኸፊል ዝተጠናቀ ምዃኑን ጥልቂ ምጽራይ ዝሓቱ ጉዳያት ከምዘለዉ ከምእተመልከተን፣ ብናይ ዓለም ሓቆፍ ስምምዓት መሠረት ናብ ናይ ቤት ፍርዲ ቫቲካን ቀሪቦም መሕትት ክግበረሎም ዝብሃሉ ሰባት እውን ክህልዉ ከምዝኽእሉን፣ ኰይኑ ግን እዚ ውሳኔ’ዚ ቤት ፍርዲ ቫቲካን ኣብ ወረሒ መስከረም ድሕሪ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ምጅማር ዕዮኡ ዝፍለጥ ጉዳይ ይኸውን እንክብሉ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ብምሃብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.