2012-08-14 14:33:25

ናይጀሪያ፣ ማሕበር ደናግል ልበ ንጽሕት ድንግል እመ ኢየሱስ ክርስቶስ


ኣብ ናይጀሪያ ናይ ማሕበር ደናግል ልበ ንጽሕት ድንግል እመ ኢየሱስ ክርስቶስ መበል 75 ዓመት ምስረታኡ ይበዓል ከምዘሎ ናይቲ ማሕበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊት እናቴ ማርይ ኩቸላ ኡካኤግቡ RealAudioMP3 ገሊጸን፣ እቲ በዓል ናይተን ደናግል ማሕበር ናይ 75 ዓመት ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘዘንትው ስእላዊ ምርኢት ብምቕራብን ብዝተፈላለዩ ናይ መንፈሳዊ መዝሙር ምርኢትን ብፍላይ ድማ ብዝተፈላለየ መንፍሳዊ መደባት ተሰንዩ ይካየድ ከምዘሎ ኣመልኪተን ዕለት 30 መስከረም 2012 ዓ.ም. ናይቲ ማሕበር ታሪኽ ዝገልጽ ሰነዳዊ ምርኢትን ናይቲ ማሕበር መስራቲ ኣብ ናይጀሪያ ደቡባዊ ከባቢ ሓዋርያዊ መስተናብር ዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ሀረይ ሕይወትን ተልእዀን ንሕዝቢ ክቐርብ ምዃኑ ገሊጸን።
ናይዚ ማሕበር ኣባላት ብጠቕላላ 900 ከምዝዀናን ዋና መንበረን ኣብ ናይጀርያ ክኸውን እንከሎ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ተዋፊረን ንናይ ደቂ ንስትዮ ብፍላይ ንመበለትን ኣልቦ ስድራን ድኻታት ሕጻናትን ንዝተነጸሉ ክፍሊ ሕብረተሰብን ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝፍጽማ ከምዝዀናን ናይ በዓል ምስረታ መበል 75 ዓመት ኢዮቤል ዕለት 20 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ዝተጀመረ እውን ከምዝኾነን እናቴ ኡካኤግቡ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.