2012-08-05 12:38:01

ንጳውሎስ ሻዱሳይ ዝተኮረ ጉባኤ አብ ናይሮቢ ፡




እቲ አብ ኬንያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ክካየ ዝቀነየ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻዱሻይን ቤተ ክርስትያን አብ አፍሪቃን ዝተሰየመ ዓደ መጽናዕቲ ከም ዝተዛዘመ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።

አብ አፍሪቃ ክፍለ ዓለም ንቤተ ክርስትያን ዝብድሁ ነገራት ኩሎም አብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ከም ዝተዘርበሎም ክምልከት ከሎ ነፍሰሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻዱሻይ ክልተ ግዜ አፍሪቃ አብ ዝበጽሕሉ ግዜ ዝነበረ ኩነታት ቤተ ክርስትያንን ሕጂ ከመይ ከም ዘሎን ከም ዝተዘተየሉ ይምልከት ።

ጳውሎሽ ሻዱሻይ ናይ ከተማ ሚላኖ ጳጳስ አብ ዝነበርሉ ግዜ ብ1962 ኬንያ ዛምቢያ ደቡብ አፍሪቃን በጺሖም ከምም ዝነበሩን ንመንበረ ቅዱስ ጰጥሮስ ምስ ተሰይሙ ክአ አብ ኡጋንዳ ሐዋርያዊ ዑደት አካይዶም ከም ዝነበሩ ይዝር ።

ናይ ጳጳሳት ጉባኤ ሊቅ መንበር ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ አብቲ አብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ዋዕላ ከም ዝተረኽቡ ኪምልከት ከሎ አብ ኬንያ ውዕውዕቲ

ህያውን ቤተ ክርስትያን ከም ዝረኸቡ ገሊጾም።

ክፍለ ዓለም አፍሪቃ ተስፋ ክርስትና ከም ዝኾነት ክአ ብጹዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ አገንዚቦም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.