2012-08-03 18:16:38

ሐዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም


ክርስትያን አብ ሞንጎ ፓለስጢናውያንን እስራኤላውያንን ናይ ሰላም ድልድል ከም ዝኾኑ አብ እስራኤልን ቆጵሮስን ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል አብ ፓለስጢናን ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌምን ሐዋርያዊ መስተናብር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ አንቶንዮ ፍራንኮ ዝሀብዎ መግለጺ የመልክት ።

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ አቡነ አንቶንዮ ፍራንኮ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ሐዋርያዊ አገልግሎት ከም ዝተቀየሩ ክምልከት እንከሎ ንዝሐለፉ ሽዱሽተ ዓመታት አብ ቅድስቲ ሀገር ዝገበርዎ ተመኩሮ አዎንታዊ ከም ዝነበረ ጠቂሶም እግዚአብሔ ዝተመስገነ ይኹን ብማላት መግለጺ ከም ዝሐቡ ካብ ኢየሩሳሌም ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።

አብ ማእከላይ ብብራቅ ብፍላይ አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌምን ከባብን ዝነብር ህዝቢ ዕለት መጸ ነባሪ ሰላም ክምጽእ በብእምነቱ ንፈጣሪኡ ከም ዝልምን አመልኪቶም ሰላም አልቦ ኩሉ አልቦ ከም ዝኾነን ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርትስያን አብዚ ክሊ”ዚ ሰላም ክሰፍን ከም ትጽዕርን ክአ አገንዚቦም።

ብ209 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ከም ዝብጽሑ ዘኪሮም ሕጂ ክአ ድሕሪ ሐደ ወርሒ አብ ሊባኖስ ሐዋርያዊ ዑደት ከካይዱ መደብ ከም ዘለዎምን እዚ ቤተ ክርስትያን አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ክሰፍን ዘለዋ ሀረርታ ከም ዝገልጽን ህዝቢ ማኣከላይ ምብራቅ በብእምነቱ ብሐባር ብሰላም ክነብር ከም ዝኽእል እምነት ከም ዘለዋን ከም ዘመልክት ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ አንቶንዮ ፍራንኮ አመልኪቶም።

ፍትሒ ምጽውዋርን ምክብባርን መሠረት ሰላም ከም ዝኾኑ ዘመልከቱ ብጹዕ አቡነ አንቶንዮ ፍራንኮ ወዲ ሰብ ንህንጸተ ሰላም ከተኩር ሕይወት ሰብ ክቡር ከም ዝኾነ ሃይማኖት መሳርሒ ሰላም ድአምበር መሳርሒ ፖሊቲካ ከም ዘይኮነ ክርዳእ ከም ዘድሊ ጠቂሶም ሐደ መዓልቲ ብሐይሊ ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ክሰፍን ኢዩ ዝብልእምነት ከም ዘለዎም አብ እስራኤልን ቆጵሮስን ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል አብ ፓለስጢናን ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌምን ሐዋርያዊ መስተናብር ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ አንቶንዮ ፍራንኮ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.