2012-07-31 18:52:04

ጾመ ፍልሠታ


ቢዛንታዊ ሥርዓተ አምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን አብያተ ክርስትያን ካብ ጽባሕ ሮቡዕ ዕለት 1 ነሐሰ 2012 ዓም ክሳብ ክፍላ ነሐሰ ን15 መዓልቲ ጾመ ፍልሠታ ክጽወም አወጆም አለው፣ እዚ ሥርዓተ ጾም እዚ ልዕሊ 1000 ዓመት ዘቍጸረ “ንእሽቶይ ጾመ አርብ ዓ ድንግል ማርያም” ብዝብል ስም አፍለጥ ኢዩ፣ ከም ባህሊ እዚ ሥርዓት እዚ ወርሒ ነሐሰ ብምሉኡ ንድንግል ማርያም ዝተወፈየ ኢዩ፣ ዳርጋ ንሥርዓትና ዝመሳሰል ኮይኑ ዘመነ ሥርዓተ አምልኾ አብ መወዳእታ ወርሒ ነሐሰ ደምዲሚ አብ ወርሒ መስከረም ሓዲስ ዓመት ሥር ዓተ አምልኾ ይጅምሩ፣ ካብ 40 ዓመታት ንነጀው አብ ከተማ ሮማ አብ ባሲሊካ ቅድስት ማርያም ና ላታ ጎደና ዓቢ በዓል ፍልሠታ ለማርያም ከም ሥርዓት ቢዛንቲን ይበዓል፣ ከም ናይ ሃገርና ምህለላ ፍልሠታ ዝመስል ከአ ካብ ዕለት ሓደ ነሐሰ ክሳብ ዕለት 14 ምሸት ምሸት ካብ ሰዓት 9፡30 ክሳብ 10፡30 ም እንቲ ሰላም ዓለምናን ሓድነት አብያተ ክርስትያናትን ፍሉይ ቡራኬ ሥድራ ቤታትናን ኩሉ ፍጡርን ምህለላ ይካየድ፣ አብ መጨረሻ ምሸት ምህለላ ናብ ጳጳሳዊ ባሲሊካ ማርያም ዓቢይ ሳንታ ማርያ ማጆረ ብምኻድ ዑደት ብምግባርን መጽሓፈ ሰዓታት ብምዝያምን ብምንባባትን ጸሎተ አስተንትኖ ምስ ዓረገ ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ይፍጸም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.