2012-07-31 18:49:14

ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን 2013ዓምፈ


መንእሰያት ብራዚል ዝሓለፈ ሶሙን ነቲ ድኅሪ ሓደ ዓመት ብ2013ዓምፈ አብ ሪዮ ዲ ጃነሮ ንዝካየድ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዘድሊ ምቅርራብ ንምግባር ንሰለስተ መዓልቲ አብ ሪዩ ዲ ጃነሮ ካብ ምሉእ ብራዚል ዝተዋጽኡ ልዕሊ 50 ሺሕ መን እሰያት ብናይ ሪዮ ዲ ጃነሮ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ኦራኒ ከማኡ እውን ብኻልኦት ሰበ ሥልጣን ቤተ ክርትያንን ወኪል ር.ሊ.ጳ አብ ብራዚልን ተሰንዮም ነቲ በዓል ዘካይዱ 5 ሺሕ ወለንታውያን መንእሰያት መሪጾም እንከብቅ ዑ ናብ ር.ሊ.ጳ እውን መል እኽቲ ሰዲዶም፣ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እውን አብ ናይ ሰንበት ናይ መል አከ እግዚአብሔር ጸሎትን ትምህርትን ዘኪሮሞም ፍሉይ ሰላምታን ምስጋናን አቅሪቦምሎም፣ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት አባል ቤተ ክርስትያን ናይ ምዃንን እምነትካ ናይ ምንባርን ታሕጓስን ጣዕምን እተስተማቅረሉ ሁመት ኢዩ እንክብሉ እውን ገሊጾም፣ ነዚ ናይ ር.ሊ.ጳ መን እሰያት ብራዚል ምቅርራብ ንሃገረ ብራዚል ዓቢ ደስታ ከምዝፈጥረላ ናይ ሪዮ ዲ ጃነሮ ሊቀ ጳጳስ ንረድዮ ቫቲካን ብስልኪ አብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም፣
ብጹዕነቶም አብ ዝሃብዎ ቃል “ዓለምለኸ ዕልተ መንእሰያት አብዚ አብ ሪዮ ዲ ጃነሮ ንምብ ዓል ድሮ ሓደ ዓመት ተሪፍዎ አሎ፣ እዚ ንቤተ ክርስትያን ብራዚል ዓቢ አገዳስነት አለዎ፣ ቤተ ክርስትያን ብራዚል ንኩሎም መን እሰያት አብ ሪዮ ዲ ጃነሮ ክመጹ ብዓቢ ሓጎስ ትጽበዮም፣ አብ መላእ ሃገረ ብራዚል ዝርከቡ መንእሰያት ብፍላይ ከአ ነቲ በዓል ክ አልዩ ዝተመርጹ መን እሰያት አበርቲዖም ይሰርሑ አለው፣ መንእሰያት ምስ ክርቶስ ኮይኖም ናይ ሓዳስ ዓለምና ሰበኽቲ ወንጌል ክኾኑ ኩሎም መን እሰያት ከአ ምሳና ክሓብሩ ንጽሊ አሎና፣ ነዚ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ብኃባር ክነሕልፎ ከምቲ ናይ መድኃኒና ክርስቶስ ንኩሎም መንእሰያት ብክፉት ልቢ አእዳውና ዘርጊሕና ንጽበዮም አሎና፣ አብ ዝሓለፉ ዕለታት “ንጉዕዞ ተሰናደው” ብዝብል አር እርስቲ አብ ሪዮ ዲ ጃነሮ ናይ ሰልስተ መአልቲ ጉባኤ መን እሰያት ተኻዪዱ፣ አብ ምዝዛም እቲ ጉባኤ ፍርቂ መዓልቲ ሰንበት ምስ ቅ.አ. አብ ካስተልጋንደልፎ አብ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ተአሳሲርና ዓቢ ሓጐስ ተሰሚዑና፣ ነዚ ፍጻሜ እዚ መንእሰያት ብራዚል ብኩሎም ተኸታቲሎሞ፣ ዓቢ ሓጎስ ተሰሚዕዎም፣ ኮይኑ ግን ነቲ ዝጽበዮም ሓላፍነትን ክብደቱን እናተገንዘቡ ኢዮም፣ ብማለት ቃለ ምልልሶም ደምዲሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.